Thursday, December 5, 2013

ካብ ሳዉዲ ዓረብያ ተፈናቕሎም ዝተመልሱ ኢትዮጵያዉያን ወገናት ምስ ጋዜጠኛታት ነፃ ሚድያ ከይራኸቡ ክትትልን ሓለዋን ይካየደሎም ከም ዘሎ ተሓቢሩ፣




እቶም ግዝያዊ መዕረፊ ብዝብል ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ኢሜግሬሽንን ሰቪል ሰርቪስን ዉሽጢ ተዓፅዮም ዝርከቡ ዜጋታት። ካብን ናብን ከይንቀሳቐሱን ከይራኸቡን ብሓይሊታት ፀጥታ ለይትን መዓልትን ይሕለዉ ኣብ ዘለዉሉ። ካብቲ ኣዕርፈምሉ ዘለዉ ኣዳራሽ ዉልቃዊ ስራሕቶም ከም ዕዳጋን ቴሌፎንን ንምግባር ናብ ከተማ ክወፁ እንትኾይኖም። ብፍቓድ ናይ’ቶም ሓለዋ እንተዘይኮይኑ ባዕሎም ካብቲ ግቢ ክወፅኡ ይኹኑ ክንቀሳቐሱ ዝተረኸቡ ኣብ ልዕሊኦም ከቢድ መጠንቀቕታን ምፍርራሕን ይወርድ ከም ዘሎ ንናይ ዓይኒ መሰኻኽር መሰረት ጌሩ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ። ኣብ ሰልጣን ዝርከብ ስርዓት ጉጅለ ህወሓት-ኢህወዴግ ነቶም ተመለስቲ ወገናት ባጀት በጂቱ ዘድሊ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ይገብረሎም ከም ዘሎ ብተደጋጋሚ በተን ዓይኒ ዘይብለን ሚድያታቱ ይገልፅ እኳ እንተሎ። እዙይ ግና ካብ ፕሮፖጋንዳ ሓሊፉ ተግባራዉነት ከም ዘይብሉን። ሕድ ሕድ ተፈናቓሊ ሰብ ናብ ትዉልዲ ዓዱ  መጓዓዝያ ካብ 900 /ትሻዓተ ሚኢቲ/ ብር ወፃኢ ዝኾነ ይኹን ኣብ ዓዶም ምስ በፅሑ ክተሓሕዞም ዝኽእል ገንዘብ ስለ ዘይወሃቦም  ንዝኸፈ ኣእምሮኣዊ ጭንቀት ተቓሊዖም ስለ ዝርከቡ። ብዛዕባ እዙይን ካልእን ሓበሬታ ንነፃ ሚድያታት ነኸይህቡ ብፅኑዕ እናተሓለዉ ከም ዘለዉ ኣገንዚቡ፣