Thursday, December 5, 2013

ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳ ጃዊ ዝርከቡ ነጋዶ ምስ ኣታዊኦም ዘይዛመድ ግብሪ ክንከፍሉ ብምግዳዶም። ኣብ ልዕሊ’ቲ ስርዓት መረረቶም ኣብ ምስማዕ ከም ዘለዉ ተገሊፁ፣



እቲ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳ ጃዊ ዝርከቡ ነጋዶ።  ነቲ ሕጋውነትን ዘይብሉን ሚዛኑ ዝስሓተን  ኣድልዎ ዝበዝሖ ምኽፋል  ግብሪ ዝፀንሐ ምዃኑን።  ሕዚ’ውን እንትኾነ ብዝኸፈአ መልክዑ ይቕፅልሉ ስለ ዘሎ። ነዚ ፍታሕ ክግበረሉ ንዝምልከቶም ኣካላት ዘቕረብዎ ጥርዓን ሰምዒ ከም ዝሰኣኑ ተገሊፁ፣
  ካብቶም ልዕሊ ዓቕሞም ዝኾነ ግብሪ ክኸፍሉ ዝግደዱ ዘለዉ ነጋዶ ኣይተ በሬ ኣብዩ ዝተብሃሉ ወገን 400,000 ቅርሺ ንክኸፍሉ ዝተወሰነሎም እንትኾኑ። ንሶም ጠቕላላ ንብረቶም ሸይጥካ  ከኽፍሎ ከም ዘይኽእል ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ።  እዚ ድማ ዜጋታት ሰርሖም ናብርኦም ከየማሕይሹን ካብ ዝረኽብዎ ኣታዊ ምኽፋል ኣወንታዊ ግብሪ ዝብል ኣተሓሳስባ ንኸየማዕብሉን ኣብ ልዕሊ ኩሉ ነጋዳይ  ተመሳሳሊ ዝኾነ ፀገም ወሪድዎ ከም ዘሎ እቲ ሐበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ፣
     ኣብ መወዳእታ  ኣብቲ ኣወሳስና ግብሪ እንተኾነ’ውን ነቶም ብላዕ ዝሃበ ወይ ከዓ ኣባል ኢህወዴግ ዝኾኑ  ምስ ኣታዊኦም ዘይመጣጠን ውሑድ ግብሪ ክኸፍል ብምግባር ሃገርን ህዝብን ይድብሉ ምህላዎም የረድእ፣