Sunday, February 23, 2014

ኣብ ወረዳ ዛሬማ ዝነብር ህዝቢ ኣከብቲ ተቓወምትን ኣሸበርትን ኢኹም ብዝብል ፌዲራል ፖሊስ ትካላት ንግዶም ይዕሽግዎን የበሳብስዎምን ከም ዘለዉ ምንጭታትና ካብቲ ከበቢ ተገሊፆም።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር ከተማ ዛሬማ ብሽም ኣኽበርቲ ፀጥታ ዝተዋፈሩ ኣባላት ፌዴራል ፖሊስ። ኣሸበርትን ተቓወምቲ ትሓብኡ ኣለኹም ብዝብል ምኽንያት ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ መእዘዚ መንበሪ ገዛታትን ትካላት ንግድን ለይትን ቀትሪን ከይፈለዩ ብምፍታሽ ንፁህ ህዝቢ ይቕጥቅጡን  የከላብቱን ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።

  ኣባላት ፌዴራል ፖሊስ ስርዓት ህወሓት ኢህወዴግ  ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ናይ ሰብ ትካላት ንግዲ መኻዚኖታት ኣብ ዝካይድዎ ዘለው ፈተሻ ነቲ ዝደለይዎ ምስ ሰኣኑ ነቶም ስብ ዋና ትካላትን መኻዚኖምን ኣፈራርሖምን ቀጥቂጦምን ብምብራር ቀንዲ መሳርሕኦም ዝኾኑ ንብረታት ከም ሚዛንን ካልኦትን መንዚዖም ምስ ወሰዱ ብርክት ዝበለ ትካላት ድማ ዓሽጎም ከም ዘለዉ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ካብቶም ዝተዓሸጎም ሰብ ዋና ንምጥቃስ። ኣይተ ፋንታሁን ፍስሃ፤ ኣይተ ትንሳኤ ፍንቴ፤ ሽመት ታደገ፤ ተፈራ ኣቦኾይ፤ ኣይተ ቀረብህ በዛብህን ዝተባህሉ ዝርከብዎም እንትኾኑ። መሳርሒ ንብረቶም ዝኾኑ ማሽን መፍልሒ ወርቅን ሚዛን ተወስዱ ገዝኦም ምስ ተዓሸገ ድሕሪ እዚ ኣብዚ ዘቐምጥ የብልናን ብምባል በቲ ስርዓት ኣማሪሮም ነቲ ከባቢ ለቒቖም ከም ዝኸዱ  ተፈሊጡ።