Sunday, February 23, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳ ቡሬ ዝርከባ ቀበሌታት ኣገልግሎት መብራህትን ቴለፎን ኔት ዎርክን ጠቕሊሉ ብምቁራፁ ነባራይ ህዝቢ ንፀገም ተቓሊዑ ከምዘሎ ምንጭታትና ሓቢሮም።



ኣብታ ወረዳ ዝርከባ ቀበሌታት ኣላፋ-ቁጭ፤ ዛልማን ስንቶምን ኣገልግሎት ኤሌትሪክ መብራህቲ፤ ካብን ናብን ቴሌፎን መራኸብን ጠቕላላ ስራሕቲ ኔት ዎርክን ካብ 6 ለካቲት 2006 ዓ.ም ጀሚሩ ተቛሪፁ ብምህላዉ ነበርቲ ዕለታዊ ንጥፈታቶም ካብ ምስላጥ ተዓንቂፆም ንኸቢድ ማሕበራዊ ኢኮኖሚያዊ ቅልዉላዉ ተቃሊዖም ከም ዝርከቡ ካብቲ ከባቢ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ከምኡ’ዉን ኣብ ዞባ ኣዊ ወረዳ ሰኮላ ዝርከባ ቀበሌታት 01፤ ኣምቢሲ፤ ጉንድልን ዝተባሃላ ዝርከበአን ካብ ዕለት 4 ለካቲት 2006 ዓ.ም ኣትሒዘን ክሳብ ሕዚ መብራህቲ ኤለትሪክ፤ ኣገልግሎት ቴሌፎንን ስራሕቲ ኣገልግሎት ኔትዎርክን ክረኽባ ብዘይምኽኣለን መላእ ሕብረተሰብ መነባብሮ ህይወቱ ንምስላጥ ተፀጊሙ ከም ዝርከብ ወሲኹ ኣፍሊጡ።
እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ንግድን ካልኦት ናይ ኢንቨስትመንት ስራሕትን  ዝተዋፈሩ ሰባት በቲ ኣጋጥሙ ዘሎ ፈታሕ ዝተሳእኖ ግዜ ዝወሰድን ሰፊሕ ከባቢ ዝሸፈነን ምቁራፅ ኤሌትሪክን ኔት ዎርክን ቀዳሞት ተሃሰይቲ ኮይኖ ንዘይተደለየ ኪስራ ብምቅልዖም መረረቶም ብዓዉታ ኣብ ምስማዕ ከም ዘለዉ ኣገንዚቡ።