Sunday, February 23, 2014

ኣብ ዞባ ኣዊ ከተማ ኮሶበር ኣጋጢሙ ብዘሎ ሕፀረት ማይ ነበርቲ ኣብ መነባብርኦም ዝኸፈአ ኮይንዎም ከም ዘሎ ካብቲ ከባቢ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



እቶም ነበርቲ ኣጋጥሙ ብዘሎ ስእነት ቀረብ ፅሩይ ዝስተ ማይ ጎረርኦም ንምትርካስን ዕለታዊ ምግቦም ንምድላዉን ኣዝዮም ከም እተፀገሙ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ከም መማረፂ ፅሬቶም ዘይሓለወ ማይ ኣብ ዝጥቀምሉ ብማይ ወለድ ሕማምት እናተጠቕዑ ንስቓይን መክራን ይቃልዑ ከም ዘለዉን። ነቲ ፅሬቱ ዘይሓለ ማይ’ዉን ብቀሊሉ ክረኽቡ ዘይከኣሉ ዓቕሚ ዘይብሎም ስድራቤታት ንካልእ ዝኸፈአ ፀገም ኣብ ልዕሊ ፀገም ተቃልዖም ከም ዝርከቡ ኣረዲኡ።
ኣብታ ከተማ ኣጋጢሙ ዘሎ ስእነት ፅሩይ ማይ ቆላሕታ ህይቡ ዝፈትሕ ኣካል ብዘይምህላዉ ዝሓዘኑ ነበርቲ። ይምልከቶ ናብ ዝበልዎ በዓል ስልጣን ናይቲ ዞባ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ማይ ኣይተ የኔኣጉማዝ ብወከልቶም ኣቢሎም ኣብ ዘቕረብዎ ሕቶ። ኣነ ዝገብሮ የብለይን ልዕሊ ዓቕመይ እዩ ዝብል መልሲ ስለ ዝሃቦም ፀገሞም ኣብየት ኢሎም ዝገልፅሉ ኣካል ከምዝሰኣኑ ተፈሊጡ።