Sunday, February 23, 2014

ኣብ ሰሜን ጎንደር ወረዳ ኣለፋ-ጣቁሳ ዝነብሩ መናእሰይ መንግስቲ እታወታት እናበለ ዝሕቦ ዘሎ ቅንዕና ዝጎደሎ መሸቀጢ ንፖለቲካ ሸቐጥ እዩ እናበለኡ ይነፅግዎ ከም ዘለዉ ምንጭታትና ከንቲ ቦታ ሓቢሮም።



እቶም መናእሰይ ኣብ ስልጣን ብዝርከብ መንግስቲ ኢህወዴግ ብሽም እታወትን ኤክስቴንሽንን ናብ መናእሰይ ዘቕርቦ ዘሎ ብቅንዕና መነባብሮ መንእሰይ ንምምሕያሽን ንምትሕሓዝ ተባሂሉ ዘይኮነስ ዝመፅእ ዓመት ኣብ ዝካየድ ምስሉይ ሃገራዉን ክልላዉን መረፃ ከም መሳርሒ ክጥቀመልና ስለ ዝደለየ’ዩ ብምባል ተቓዉምኦም ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ብኣዴን ኣይተ ኣለምነዉ መኮነን ኣብዚ ቅንያት ንህዝቢ ኣምሓራ ብዝተፃረፎ ኣፀያፊ ፀርፊ ዝተቖጥዑ ኣመራርሓ ወረዳ ኮይኖም ዝፀንሑ ሰባት ካብ ስራሕ ሓላፍነቶም ይልቁ ከም ዘለዉ ተገሊፁ።
ካብቶም ብተግባር እቲ በዓል ስልጣን ተሰሞዕዎም ብዘቕረብዎ ሕቶ መሰረት ዝተሰናበቱ ሰባት፣-
1.  ኣይተ ኣለምቀን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ደቀቕትን ኣናእሽተይን ንግድን እንድስትሪን
2.  ኣይተ ደጉ ኣዳም ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ስቪል ሰርቪስ ካልኦትን ዝርከብም እንትኾኑ።
       ከምኡ’ዉን በቲ ኩነታት መልቀቒ ስራሕ ሓላፍነት ኣቕሪቦም ክሳብ ሕዚ ካብ መልሲ ዘይተዋሃቦም ኣመራርሓ፣-
1.         ኣይተ ተወልደ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት መንገዲ ገጠር
2.         ኣይተ ሞላ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ባህልን ቱሪዝምን
3.         ኣይተ ሃፍቴ ሓልፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ
4.        ኣይተ ኣለባቸዉ ኣመሓዳሪ ወረዳ ኣለፋ ጣቁሳ ዝርከቦም ከም ዝኾኑ ኣገንዚቡ።