Wednesday, April 9, 2014

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ወረዳ ፀለምቲ ብ16 መጋቢት 2006 ዓ/ም ንማይ መጥለፊ ተባሂሉ ዝተመደበ ባጀት ብኣመሓደርቲ ናይቲ ወረዳ ከም ዝተጣፋፍአ ምንጪታትና ካብ’ቲ ቦታ ሓቢሮም።



እቲ ንግድብ መሳርሒ ተባሂሉ ዝተመደበ ባጀት በቲ ናይቲ ወረዳ ማይን መዓድንን ሓላፊ ዝኾነ ፍስሃ ኪዳኑ ዝተብሃለ በዓል ስልጣንን፣ ካሎኦት ከምኡ ዝኣመሰሉ ኣብ ምጥፍፋእ ገንዘብ ህዝቢ ዝተዋፈሩ  ብምዃን  ልዕሊ 280 ሽሕ ብር ጥረ ገንዘብ ከም ዝበልዕዎ ካብ’ቲ ከባቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ገሊፁ።
እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ፣ ነቲ ክስራሕ ዝተብሃለ ግድብ መስርሒ ክዉዕል እናተብሃለ በብእዋኑ ክዕደግ ዝፀንሐ ማተርያል ከም ተንዲኖን  ካልኦት ዝተፋላለዩ ብርክት ዝበሉ ንብረታትን፣ እቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቐሰ በዓል ስልጣን ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር ብለይቲ ፀልማት ጉልባብ ጌሮም ብምሻጥ ካብቲ ዝተጠቐሰ ንላዕሊ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ህዝብን ሃገርን ከም ዘጠፋፍኡ ምንጪታትና ወሲኾም ሓቢሮም።