Wednesday, April 9, 2014

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ከተማ ሸራሮ ብ1999 ዓ.ም ዝተጀመረ ስራሕቲ ኮነደምኔም ተጀሚሩ እምበር ክሳብ ሕጂ ዝተሰርሐ ከም ዘየለ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ነቲ ስራሕቲ ኮንደምኔም ኣባይቲ መሳለጢ ተባሂሉ ዝተሰልዐ ገንዘብ በቶም ኣካየድቲ ናይ’ቲ ስራሕ ከም ዝተበልዐን፣ እቲ ነቲ ህንፃታት መሳርሒ ተባሂሉ ዝተመረተ ቡሉኬት እዉን እቶም ኣብቲ ኮንደምኔም ዘስርሑን ዝሰርሑን ሰባት ብለይቲ እንዳሰረቑ ናብ ዓዲ ሃገራይን ካልኦት ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከባ ከተማታትን ብምዉሳድ ይሸጥዎ ከም ዘለው ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
 ካብ’ቶም ዝሸጡ ዘለው ሰባት ድማ፦
1.         ይርጋ ሃፍቱን
2.         ንግዝኡ ሽሙ ዘተተቐሰ ኣብ ቤት መዘጋጃ ዝሰርሕ ምክትል ማሃንድስን ክልኦትን ብምትሕብባር፣ እቲ ንመሳርሒ ተባሂሉ ካብ ሃፍቲ ህዝቢ ዝተሰልዐ ጥረ ገንዘብን ዝተዓደገ ማታርያልን ኣብ ዉልቃዊ ረብሕኦም የጣፋፍእዎ ከም ዘለው ወሲኹ ኣፍሊጡ።