Wednesday, April 9, 2014

ኣብ ዩንቨርስቲ ዓዲ ግራት ዝርከቡ ተምሃሮ ካብ 12 መጋቢት 2006 ዓ/ም ጀሚሮም ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ተቓውሞ ኣብ ምክያድ ከም ዘለው ተገሊፁ።



መበገሲ ናይቲ ተቓውሞ “ኣብ’ቲ ቤት ትምህርቲ እኹል መምሃሪ ማተርያል የለን፤ ፈተና ካብ ዝተምሃርናዮ ወፃኢ ይመፀና ብምህላዉ ንምዉዳቕ ተቓሊዕና” ብዝብል እንትኾን ከምኡ’ዉን ካብ 5 ሽሕ ተምሃሮ እቶም ፍርቂ ዝኾኑ፣ ልዕሊ 50 ነጥቢ ብዘይምምፃእኹም ኣይሓለፍኩምን ወዲቕኩም ተባሂሎም ስለ ዝተነገሮም ብርክት ዝበሉ ተምሃሮ ትምህርቶም ንኸቋርፁ ተገዲዶም ብምህላዎም ከም ዝኾነ ካብ ዉሽጢ ቀፅሪ እቲ ዩንቨርሲቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።
     እቶም ተምሃሮ ኣብ ተቓዉምኦም ልዕሊ 50 ነጥቢ ኣምፂእና ኢና እናሃለና ኮነ ኢልኩም ብተንኮል ክተውድቑና ስለ ዝደለኹም ዝገብርኩሞ እዩ ኢናበሉ እቲ ዝጀምርዎ ተቓዉሞ ኣጠናኺሮም ይቕፅልሉ ብምህላዎም ነዚ ንምርግጋዕ ካብ ክልል ዝመፀ ልኡኽ ናይቲ ስርዓት “ዳሓን ፀገም የለን ክስተኻኸል ቃል ብምእታዉ ንምህዳእ ዋላ’ኳ እንተፈተነ እቶም ተምሃሮ ግን “ሕጊ የለን” እናበሉ ተቓውመኦም ክሳብ ትማሊ ይገልፁ ከም ዘለው እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።