መበገሲ ናይቲ ተቓውሞ “ኣብ’ቲ ቤት ትምህርቲ
እኹል መምሃሪ ማተርያል የለን፤ ፈተና ካብ ዝተምሃርናዮ ወፃኢ ይመፀና ብምህላዉ ንምዉዳቕ ተቓሊዕና” ብዝብል እንትኾን
ከምኡ’ዉን ካብ 5 ሽሕ ተምሃሮ እቶም ፍርቂ ዝኾኑ፣ ልዕሊ 50 ነጥቢ ብዘይምምፃእኹም ኣይሓለፍኩምን ወዲቕኩም ተባሂሎም ስለ
ዝተነገሮም ብርክት ዝበሉ ተምሃሮ ትምህርቶም ንኸቋርፁ ተገዲዶም ብምህላዎም ከም ዝኾነ ካብ ዉሽጢ ቀፅሪ እቲ ዩንቨርሲቲ
ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እቶም ተምሃሮ ኣብ ተቓዉምኦም ልዕሊ 50 ነጥቢ ኣምፂእና ኢና
እናሃለና ኮነ ኢልኩም ብተንኮል ክተውድቑና ስለ ዝደለኹም ዝገብርኩሞ እዩ ኢናበሉ እቲ ዝጀምርዎ ተቓዉሞ ኣጠናኺሮም ይቕፅልሉ
ብምህላዎም ነዚ ንምርግጋዕ ካብ ክልል ዝመፀ ልኡኽ ናይቲ ስርዓት “ዳሓን ፀገም የለን ክስተኻኸል ቃል ብምእታዉ ንምህዳእ
ዋላ’ኳ እንተፈተነ እቶም ተምሃሮ ግን “ሕጊ የለን” እናበሉ ተቓውመኦም ክሳብ ትማሊ ይገልፁ ከም ዘለው እቲ ሓበሬታ ወሲኹ
የረድእ።