Tuesday, April 8, 2014

ኣብ ወልቃይት ኣብ ዝስራሕ ዘሎ ሽኮር ፋብሪካ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ቦንድ ዘይዓደግኩምን ኣባላት ዉድብ ዘይኮንኩምን ብዝብል ብካድረታት እቲ ስርዓት ይበሳበሱ ከም ዘለው ተፈሊጡ።



እዞም  ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ወልቃይት ዝስራሕ ዘሎ ሽኮር ፋብሪካ  ተቖፂሮም ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ኣባላት ገዛኢ ዉድብ ክኾኑን ንመስርሒ ግድብ ኣባይ ዝውዕል ገንዘብ ቦንድ ክዕድጉ እንተዘይ ክኢሎምን ካብ ስረሖም ክባረሩ  ምዃኖም ብኣካይድቲ እቲ ስራሕ ዝኾኑ ካድረታት መጠንቀቕታ ከም ዝተዋሃቦም ዝገለፀ እቲ  ሓበሬታ ብወገን እቶም ሰራሕተኛታት ድማ ንመስርሒ ግድብ ኣባይ ክንከፍል  ቦንድ ሃቡና ኣባላት ግን ክንከወን ኣይንግደድን ክብሉ ተቓውምኦም ከም ዘስምዑ ካብቲ ቦታ ዝበፀሓና ሓበሬታ የረድእ።

      ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ካብ”ቶም ኣባላት ገዛኢ ዉድብ ኣይንኸውን ንኣባይ ግድብ ዝውዕል ገንዘብ  ግን ክንከፍል ካብ ዝበሉ  15  ሰራሕተኛታት ንገሊኦም ንምጥቃስ 1. ሃፍቶም ወዲ ራያ ናይቲ ፕሮጀክት ሒሳብ ሹም  2. ኣሰፋ ብርሃነን ዝርከብዎም እንትኾኑ በቲ ዘስምዕዎ ተቓዉሞ ምኽንያት ን5 መዓልቲ  ካብ ሰረሖም ደው ከም ዘበልዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።