Tuesday, June 17, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራ ቀበሌ 04 ዝነብር ህዝብና ብእከይ ተግባራት ፖሊስ ናይታ ከተማ የማርር ከም ዘሎ ምንጭታትና ሓቢሮም።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ  ከተማ ሑመራ  ቀበሌ  04 ዝነብር ህዝቢ  ብዝበፅሖ ዘሎ ግፍዕታት ዝተማሪሩ  መንእሰያት ኣብ ልዕሊ ግፍዒታት ዝፍፅሙ ዘለው ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣባላት ፖሊስ ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ  ተወዲቦም ምሸት ኣብታ ከተማ ንዝንቀሳቐሱ ኣባላት ፖሊስ ይወቕዕዎም ከምዘለው ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

   እዞም  ብጉዕዙይ ኣሰራርሓ ናይቶም ኣባላት ፖሊስ እቲ ስርዓት ዝነደሩ መንእስያት  ብ5 ግንቦት 2006 ዓ/ም ንሓደ ንግዚኡ ሽሙ ዘይተፈልጠ ፖሊስ ስለ ዝወቕዕዎ ኣብ ሆስፒታል ኣትዩ ይሕከም ምህላዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ  እቶም ዝወቕዕዎ ድማ ስለ ዘምለጡ ኣብቲ ከባቢ ንዝነበረት ሰበይቲ ነዚ ፖሊስ ዝወቕዕዎ መንእስያት  ትፈልጥዮም ኢኺ ሓብርና እኳ እንተበልዋ ኣይፈልጥን ስለዝበለት ናብ ቤት ማእሰርቲ ወሲዶም ኣሲሮማ  ከም ዘለዉ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ።