ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ብ1 ሰነ 2006
ዓ/ም “ዓረና ፓርቲ” ብዛዕባ ዕላምኡ ዝገልፁ ዝተፈላለዩ ፅሑፋት ዝሓዙ ወረቓቕቲ ኣብ ከተማ ሽረ በቲኑ ንብርክት ዝበሉ ሰባት
ድማ ብዉልቂ ወረቐት ዝዓደሎም እንትኸውን ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ግን ንዝመፅእ ዓመት ንዝካየድ ምርጫ
ድምፂ ህዝቢ ጎስዩ ኣብ ስልጣን ንምቕፃል ንዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ምድኻም ተፀሚዱ ከምዘሎ ከም መቐፀልታ ናይ’ዚ ከዓ
ምስ ዓረና ርክብ ኣለኩም ብምባል ስዩም ገብሩ፤ ዮዉሃንስ ክንፈ፤
ተስፋይ በየነን ካልኦትን ዝረከብዎም 12 መናእሰይ ከም ዝኣሰረ
ተፈሊጡ።
ኣብ ስልጣን ዘሎ ገዛኢ መንግስቲ ህወሓት-ኢህወዴግ ብሽም ህዝቢን
ዴሞክራሲያዊ ስርዓት የካይድ ኣለኹ እናበለን ኣብ ልዕሊ ተቃወምቲ ውድባትን ኣባላቶምን ዘኣይዶ ዘሎ ግፍዒን በደልን ብዝኸፈአ
መልኽዑ ይቕፅለሉ ከምዘሎ ህዝቢ ከተማ ሽረን ከባቢኣን መዛረቢ ዛዕባኦም ገይሮሞ ከምዘለው ምንጭታትና ወሲኾም ኣረዲኦም።