Thursday, August 7, 2014

ኣብ ክልል ኣምሓራ መንግስታዊ ኣብያተ ፅሕፈት ተቖፂሮም ክሰርሑ ዝፀንሑ ብዙሓት ዜጋታት ኣሸበርቲ ብዝብል ፀለመ ኣድራሽኡ ናብ ዘይተፈለጠ ስፍራ ተወሲዶም ይእሰሩ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እቲ ክልል ኣብ ዝርከባ መንግስታዊ ኣብያተ ፅሕፈት ተቖፂሮም ንዓመታት ኣገልግሎት ክህቡ ዝፀንሑ ወገናት። ዝፈፀምዎ ጥፍኣት ዘይብሎም ብካድረታት ብኣዴን-ኢህወዴግ ኣሸበርትን ፀረ ልምዓትን እናተበሃሉ ተሓፊሶም ኣድራሽኡ ናብ ዘይተፈለጠ ቤት ማእሰርቲ ተወሲዶም ስቓይን መግረፍትን ይወርዶም ከም ዘሎ ኣገንዚቡ።

   ኣብ ስልጣን ዘሎ ገዛኢ ስርዓት ንመረፃ 2007 ዓ.ም ኣንፃረይ ህዝቢ ከለዓዕሉ ይኽእሉ እዮም ንዝበሎም ዜጋታት ምስ ዋና ፀሓፊ ግንቦት 7 ኣይተ እንዳርጋቸዉ ፅጌ ርክብ ኣለኩም ብዝብል ካብ ደብረ ማርቆስ ከተማ 4 ሰራሕተኛ መንግስቲ፤ ካብ ባህርዳር 8 ሰራሕተኛ መንግስትን ነጋዶን፤ ካብ ጎንደር 6 ምሁራት እንትእሰሩ ካልኦት ንግዚኡ  ኣስማቶም ዘይተፈለጡ ዜጋታት ብፀልማት ብስዉርን ናብ ዘይተፈለጠ ቦታ ተወሲዶም ይሳቐዩ ከም ዘለዉ እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።