Thursday, June 5, 2014

ኣብ መስመር ዳንሻ ጎንደር ሓደ ናይ ሓምሻይ ሜካናይዝድ ኣባል ዝኾነ ወተሃደር ብ22/ግንቦት/2006 ዓ/ም ማይ-ደልየ ኣብ ዝተበሃለ ቦታ ንሰለስተ ናይ ኬላ ሓለውቲ ተኲሱ ከም ዝቐተሎም ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታት እቶም ብ22 ጉንበት 2006ዓ/ም ካብ ዳንሻ ናብ ጎንደር  ዝወስድ መስመር መንገዲ ፍሉይ ሽሙ ማይ ደልየ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ዝተቐተሉ ናይ ኬላ ሓለውቲ ዕጡቛት ኣባል ፖሊስ ዋና ሳጅን ኣሸብር ኣስራት፤ምልሻ ሞገስ ይርሳውን ምልሻ ጌቱ መኩርያን ዝተበሃሉ ምዃኖም ተፈሊጡ።

  እቲ ንሰለስተ ናይ ኬላ ሓለውቲ ዕጡቋት ባድራጋ ጠያይቲ ተኲሱ ክቕትሎም ዝኸኣለ ትወላዱ ብሄረሰብ ጉሙዝ ዝኾነ ወተሃደር ኣብቲ ዝነበሮ ናይ ምዕራብ እዝ 5ይ መከናይዝድ ኣብ ልዕሊኣኡን ኣብ ልዕሊ ካላኦት ብዝፍፀም ምምሕዳራዊ፤ ፖለቲካውን ኣድልዎ ከፃወሮ ብዘይ ምኻሉ ምስ ምሉእ ዕጥቁ ናብ ትውልዲ ቦትኡ ይጓዓዝ ኣብ ዝነበረሉ ኣብ ማይ ደልየ ዝተበሃለት ቦታ ዝነበሩ ናይ ኬላ ሓለውቲ ደው በል ናበይ ትኸይድ ኣለኻ ዕጥቅኻ ፍታሕ ምስ በልዎ ከም ዝቐተሎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ብተመሳሳሊ በቲ ኣብ ውሽጢ ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘሎ ግዕዙይ ምሕደራን ፖለቲካዊ ኣፈላላይን ዝፈጠሮ ምክፍፋል ኣብዝሓ ወተሃደራት እቲ ገዛኢ መንግስቲ ክፃወርዎ ብዘይምኻሎምን ስለ ዝመረሮምን እግሮም ናብ ዝመረሖም ከም ዝጠፍኡን ቁፅሮም ዘይነዓቕ ከኣ ዕጥቃዊ ቃልሲ ናብ ዘካይዳ ውድባትይፅንበሩ ከም ዘለው ይፍለጥ።