ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ እዞም ኣብ
ከተማ ሽረ ዝርከቡ መንእስያት ብሰንኪ ስእነት ስራሕ ይሳቐዩ ምህላዎም
ድሕሪ ምግላፅ ነቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ናይ ቁጠባ ቅልውላው ክፈትሑ ኣብ ስራሕቲ ኮብልስቶን/ ምንፃፍ እምኒ/ ተዋፊሮም እንተሰርሑ’ውን ፍረ-ረሃፆም ገንዘቦም ዝከፍሎም ኣካል ስለ ዝሰኣኑ ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ
ከምዘካየዱ ተፈሊጡ።
እዞም መንእስያት ናይ ድኻሞምን ናይ ዝስረሕሉ ገንዘብ ንኽኽፈሎም
ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ብምክያድ ናብ ዞባ ምምሕዳር ኣብ ዝኸዱሉ እዋን በዚ ተቓውሞ ዝስግኡ ሰበ ስልጣን እታ ከተማ ድማ
ክንከፍለኩም ኢና ብምባል ናይ መተዓሻሻዊ ቃላት ከም
ዝተዛረብዎምን ዛጊድ ከም ዘይከፈልዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።