ናይ መበል 22 ክፍለ ሰራዊት ኣብ ዝኾነት ሓንቲ ሬጅመንት ብ2 ሰነ 2006 ዓ.ም ኣብ ዝተገበረ ኣኼባ
ሓለቓ ሓምሳ ምሩፅ ፍስሃ ዝተበሃለ ተወላዲ ፅምብላ ትግራይ “ንሕና ‘ሓንቲ ሃገር’ ዝብል ዕላማ ሒዝና ክሳብ ሕዚ እታ ዝኸበረት
እንኮ ህይወትና ኣወፊና ከርተት ክንብል ፀኒሕና ኢና እንተኾነ ግን ኣሰራርሓ መንግስቲ ካብ እዋን ናብ እዋን እናተበላሸወ
ይመፅእ ስለ ዘሎ ሕጋዊ ዝበሃል ኣሰራርሓ ጠፊኡ ኣብ ኣመራርሓ ስሰዐ ብምንጋሱ እቲ ታሕተዋይ ኣብ ኣዘዝቱ እምነት ስኢኑ ይብተን
ስለዘሎ ኣነ’ውን ኣይፍርም ዝሓለፈ ይኣኽለኒ ክብል ምዝራቡ ተፈሊጡ።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ሓለቓ ሓምሳ ምሩፅ ፍስሃ ኣብቲ ኣኼባ ንግዕዙይ
ኣካይዳ ምክልኻል ሰራዊት ብምንቃፍ ሓሳቡ ምስ ኣቕረበ እቶም ተኣከብቲ ወተሃደራት ከም ዝደገፍዎ ዝተዓዘቡ መራሕቲ እቲ ኣኼባ
ጨዉዮም ናብ ማእኸል እዚ ወሲዶም ከም ዝሰወርዎ ዝሰምዑ ቤተሰቡ ካብ ፅምብላ ናብ’ቲ እዚ ከይዶም ወድና ኣበይ ኣሎ ክንርኦ
ደሊና ኢሎም ኣብ ዝሓተትሉ ንስራሕ ልኢኽናዮ ኣለና ኣይትረኽቡዎን ምስ በልዎም ስድርኡ ወዶም ከም ጨዉ ሓቒቑ ከይተርፍ ኣብታ
ዝነበራ ኣሃዱ ላዕሊ ታሕቲ እናበሉ ይንከራተቱ ኣብ ዘለዉሉ ብዛዕባ ወዶም ዝሕብሮም ኣካል መሪሕነት ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ
ኣረዲኡ።