Tuesday, June 17, 2014

ስርዓት ወያነ ኢህወደግ ንተቓወምቲ ዉድባት ካብ ህዝቢ ንምንፃል ኣብ ዝተፋላለዩ ቦታታት ንዝነትጉ ነቶግቲ ቦምባታት ብተቓወምቲ ዝተፈፀሙ እዮም እናበለ የወንጅል ምህላዉ ተገሊፁ።



ብ4ሰነ 2006 ዓ/ም ኣብ ከተማ ሽረ ቀበሌ 05 ኣብ እንዳ ቶኩሾ ብዝብል ሳጓ  ኣብ ዝፍለጥ መንበሪ ገዛ መንቀሊኡ ዘይተፈለጠ ብዝተተኮሰ ቡምባ 3ቆልዑ ናይቲ ገዛ እንትሞቱ፣ ሓደ ድማ ቆሲሉ ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስደ ተፈሊጡ።

   ድሕሪ’ቲ ፍፃመ ድማ ካድረታት’ቲ ስርዓት ተቓወምቲ ውድባት  ኮነ ኢሎም ከሸብሩ ዝፈፀምዎ ተግባር እዩ እናበሉ ይጉስጉሱ እኳ እንተለዉ ህዝቢ’ቲ ከባቢ ግና ኣሸበርቲ የብልናን ብምባል ንጎስጓስ እቶም ካድረታት ዉድቂ ከም ዝገበርዎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

   ብተወሳኺ ብ6 ሰነ 2006 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ቃሊቲ ኣብ ዝርከብ  ፖሊስ ጣብያ ጠጠዉ ኢላ ዝነበረት  ብሴሌድ ቁፅሪ 41-04-44 ኣ-ማ እትፍለጥ ፓትሮል ዝዓይነታ ናይ ፌደራል ፖሊስ መኪና ተኳሲኡ ብዘይተፈከጠ ቡምባ ከም ዝተቓፀለት እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።