እሙናት ምንጭታትና ካብ ከተማ ሑመራ ከም
ዝሓበርዎ ኣብ ከተማ ሑመራ ገንዘብካ ከፊልካ እትዕድጎ ዘይቲ ዝበሃል ጠፊኡ ህዝቢ ኣብ መከፋፈሊታትን እንዳ ሸቐጣሸቐጥን ሪጋ
ሒዙ ብመቑነን ንሓደ ስድራቤት ሓንቲ ጓዕጓዕ ዘይቲ ጥራሕ ይዕደል ከም ዘሎ ተፈሊጡ።
ህዝቢ በቲ ኣጋጢምዎ ዘሎ ሕፅረት ዘይቲ ብልዒ ተማሪሩ “ኣብ ስልጣን
ዝርከብ ገዛኢ መንግስቲ ዕብየት ኣርኢና ተለዊጥና ማዕቢልና ወዘተ ይብል
ኣበይ ኣሎ እቲ ምዕባለ? ሕፅረት ዘይትን ካላኦት ሓለቕቲ ነገራት
ካብ ዕዳጋ ብምጥፍኡ ብማሕበራዊ መነባብሮ እናተፀገምና እናሃለና እዞም ኣብ ስልጣን ዘለው ኣመሓደርቲ ማዕቢልና ሃገርና ማዕቢላ
ህዝብና መነባብርኡ ተማሓይሹ ምባሎም ባጫ እዩ” ብምባል ምረቶም ይገልፁ ከም ዘለው ተፈሊጡ ኣሎ።