Wednesday, June 4, 2014

ኣብ ከተማ ሸራሮ ዝርከቡ መሃንዲሳት ጉቦ ንዝሃብዎም ውልቀ ሃፋትም ካብ ዓቐን ንላዕሊ ዝኾነ ዘይግበኦም ናይ ከተማ መሬት ይዕድልዎም ከም ዘለው ምንጭታትና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።



ብመሰረት ምንጭታትና ብ16 ግንቦት 2006 ዓ/ም ኣብ ከተማ ሸራሮ ሓደ ጉዕሽ ፎቶ ዝተብሃለ ሃፍታም ጎቦ ንመሃንዲሳት ብምሃቡ  ዘይግብኦ ስፍሓት ዘለዎ ናይ ከተማ መሬት ከም ዝተዋሃበን ህዝቢ ነቲ ብልሽውና ከም ዘቃልዖ ተፈሊጡ።

    እቶም ካብ ውልቀ ሰባት ጉቦ እናተቐበሉ መሬት ህዝቢ ኣብ ዘይመዓላኡ ኣውዒሎም ብህዝቢ ዝተቓልዑ መሃንዲሳት መምህር ተኽሊትን፤ ጌታቸውን ዝተብሃሉ ምዃኖም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ህዝቢ ብሕፅረት መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ፀገም ወዲቑ እናሃለወ ኣብ ከተማ ሸራሮ ዝርከቡ ኣመሓደርትን መሃንዲሳትን ግን ካብ ውልቀ ሰባት ጉቦ ብምብላዕ ዘይግበኦም ልዕሊ መጠን ስፍሓት ዘለዎ ናይ ከተማ መሬት ምዕዳል ልሙድ ተግባራቶም ምዃኑ ይፍለጥ።