ብመሰረት’ቲ
ሓበሬታ ኣብ ወረዳ ወልቃይት ኣብ ቤት ፅሕፈት ቢሮ ፋይናንስ ብሰበስልጣን ህወሓት-ማሌሊት ተመዚዞም ብሓላፍነት ዝተሾሙ ካድረታት ናይቲ ወረዳ ብግብሪ፤ ብቐረፅን ካልእን ካብ ህዝቢ
ዝተኣከበ ገንዘብ ኣብ ወልቃዊ ረብሓኦም ካብ ዘውዓሉ ገለ ሓለፍቲ እታ ወረዳ ኣይተ ኪዳነማርያም ናይቲ ወረዳ ፋይናንስ፤ መኮነን
ወ/ገርገስን፤ ይትባረኽን ካልኦትን ምኳኖም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ብተመሳሳሊ ናይ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ዓቃቢ ሕጊ ዝነበረ መሰረት
ዝተብሃለ ንብዙሕ ግዜታት ኣብ ግዕዝይና ጥሒሉ ድሕሪ ምፅናሕ ተግባራት
ናይቲ ዓቃቢ ሕጊ ብህዝቢ ምስ ተፈለጠ ንግዚኡ ካብ ስራሕ ጠጠው
ኣቢሎምዎ ከም ዘለውን ክሳብ ሕዚ ግን ግቡእ ፍርዱ ከም ዘይተውሃቦን ተፈሊጡ።