ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና እቶም ኣብ ዓብደ ራፊዕን
ከባቢኡን ኣብ ስራሕቲ ሕርሻ ተዋፊሮም ዝርከቡ ሰብሃፍቲ ሓረስቶት ብካድረታት ስርዓት ኢህወደግ መሬትኩም ለክዕዎ መደባርያ
ክትወስዱ ኢኹም ዝብል መምርሒ ስለ ዝተወሃቦም “ናይ መዳባርያን ናይ መሬትን ክልተ ዓይነት ልዕሊ ዓቐን ክፍሊት ኣይንኸፍልን፣ ንስኹም ፅንሕ ኢልኩም ነቲ ናይ ፈጣሪ ዝናብ’ውን
ክፍሊት ክተኽፍሉና ኢኹም ስለ’ዚ መሬትኩም ገዲፍናልኩም ኣለና” ብምባል ተቓዉሞ ከም ዘስምዑ ካብቲ ቦታ ዝበፅሓና ሓበሬታ
ኣረዲኡ፣፣
ካብ’ቶም ተቓዉምኦም ዘስምዑ ኢንቨስተራት ሓረስቶት ዝተወሰኑ
ንምጥቃስ፦ ኣለባቸዉ መኳንንትን ዳኛቸዉ ከበደን (ካብ ሱዳን ዝመፁ) ስዒድ ሓሰንን ናስር መስጦፋን (ካብ ሱዑዲ ዓረብ ዝመፁ)
ከም ዝኾኑ እቲ ሓበሬታ ገሊፁ፣፣
እዞም ንባዕልና ተረቢሕና ንህዝብናን ሃገርናን ክንጠቅም ብምባል ናብ
ዓዶም ተመሊሶም ኣብ ሕርሻ ተዋፊሮም ዝፀንሑ ሰብ ሃፍቲ “ተሰዲድና ዝኣከብናዮ ገንዘብ ወፃኢ እናገበርና ክሳብ ሕዚ ክንሰርሕ
ፀኒሕና ሕዚ ግና ኣንፈቱ ብዝሰሓተ መዋጮ ንክሳራ ተቓሊዕና ኣለና
ከምዚ ዝበለ ምዕሩይ ዘይኮነ ምሕደራ እናሃለወ ኢትዮጵያ ሃገርና ከመይ ኢሉ ክሓልፈላ” ብምባል ሒዘሞ ንዝፀንሑ ናይ ሕርሻ መሬት
ራሕሪሐሞ ከም ዝኸዱ ካብ’ቲ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ፣፣