Thursday, October 2, 2014

መራሕቲ ኢህወዴግ ኣብ ኩለን ክልላት ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣባላት ገዛኢ መደብ ንኽኾኑ የገድድዎም ከም ዘለዉ ተገሊፁ።



    እዞም ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ሃገርና ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ  ንሶም ብዘይኣመንሉ ተገዲዶም ኣባላት ገዛኢ መደብ ኢህወዴግ ንኽኾኑ ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ዉድብ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ ምውሳኖም ንብዙሓት ሰራሕተኛታት ኣቖጢዑ ምህላዎም ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሃገርና ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

     እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ዝኾነ ይኹን  ሰራሕተኛ  መንግስቲ ኣብዚ ዝመፅእ 2007 ዓ/ ም ኣብ ዝግበር መረፃ  ነቲ ገዛኢ መደብ ጥራሕ ክመርፁን ክድግፉን ከም ዘለዎም መምርሒ ወሪዱ ድሕሪ ምግላፅ ከምኡ’ዉን ንኹሉ ሰራሕተኛ መንግስቲ  ኣባል ኢህወዴግ ምዃኑ ዘረጋግፅ መንነት ወረቐት ብሓይሊ ክሕዝ ይግበር ኣብ ዘለሉ እቶም ሰራሕተኛታት ድማ ካብ ስረሖም ከይስጎጉ ብምፍራሕ ከይፈተዉ እቲ መታወቅያ ካርድ ይወስዱ ምህላዎም  ገሊፁ።
     እቲ ዜጋታት ብዘይድልየቶም እናገደካ ኣባላት ኢህወዴግ ንኽኾኑ  ዝኽተልዎ ዘለዉ ኣካይዳ ፍፁም ንፀረ ሰብኣዉን ዴሞክራስያዉን ኣሰራርሓ ገዛኢ መደብ ኣጉሊሑ ዘረጋግፅ ከም ዝኾነ እዋናዊ መዘራረቢ ዛዕባ ምሁራት ሃገርና ኮይኑ ምህላዉ  ምንጭታትና ኣብ መወዳእታ ኣመልኪቶም።