Sunday, December 21, 2014

ኣብ ክልላት ዓፋርን ሶማልን ከሳሓሕባ ዝፀንሓ 3ተ ከተማታት ናብ ዓፋር ክኾና እቲ ስርዓት ስለ ዝወሰነ ከም ሰዓቤኑ ድማ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ሓያል ግጭት ከም ዝተወልዐ ተገሊፁ።




  ኣብ መንጎ ክልላት ዓፋርን ሶማልን ዘዋስን መሬት ብዘይምንፃሩ ንዜጋታት ከቃትል ከም ዝፀንሐ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እቲ ስርዓት ስቕ ኢሉ ክዕዘቦም ፀኒሑ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ግን ክፈትሖ እየ ብዝብል፤ ሰለስቲኤን ከተማታት ናብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝወሰነሉ ብህዝቢ ክልል ሶማል ተቐባልነት ስለ ዘይረኸበ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝቢ ቡርቱዕ ደም ምፍሳስ ኣኸቲሉ ምህላዉ ተገሊፁ።
  እቲ ብ5 ታሕሳስ 2007 ዓ/ም ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝቢ ሙሉእ መዓልቲ ክካየድ ዝዉዓለ ብተኹሲ ዝተደገፈ ግጭት ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ህይወቶም ዝሰኣኑን ዝቖሰሉን እንትኾኑ፤ እዚ ዘስካሕክሕ ደም ምፍሳስ እዚ ድማ ዉፅኢት ዝንቡዕ ዉሳነ እቲ ስርዓት ስለ ዝኾነ፤ ምሉእ ብምሉእ ተሓታቲ ስርዓት ኢህወደግ ምዃኑ  ወገናት ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ።