Tuesday, December 23, 2014

መሰል ህዝቢ ብምዕፋን ዝካየድ ፍትሓዊ መረፃ የለን!!



ብዛዕባ ፍትሓውን ዴሞክራሲያውን መረፃ ኣልዒልና እንትንዛረብ። ቀዳምነት ዝመፀልና ነገር እንተደአ ሃልዩ ዝኾነ ይኹን ኣብቲ ናይ መረፃ መድረኽ ዝወዳደሩ ተቓወምቲ ውድባትን ውልቀ ተወዳደርትን ነፃ፤ ፍትሓዊ፤ ሰላማውን ዴሞክራሲያውን ብዝኾነ መንገዲ ተሳትፍኦም ክረጋግፁ ምኽኣልን ነቲ ነፃን ፍትሓውን ክኸውን ዝድለ መረፃ ዓለምለኻዊ መዐቀንታት ዘጠቓለለ ኣዋጃት ብምውፃእን ነቲ መረፃ ዘፈፅም ኣካል ዘይሻራዊ ወይ መንጎኛ ዝኾነ ቦርድ ብምቛም ካብ ኣድልዎ ነፃ ብዝኾነ መንገዲ መረፃ ምክያድ ማለት’ዩ።
    በዚ መለክዒ ኣብ ሃገርና እናተኻየዱ ዝፀንሑ መረፃታት እንታይ ኣገባባት ይጥቀሙ ነይሮም ኣቃውማ ቦርድ መረፃ ኸ ከመይ ነይሩ ኢልና ክንርኢ እንተደኣ ፈቲና ብዙሓት ሽግራት ክነልዕል ንኽእል ኢና፣ ካብቶም መሰረታውያን ኣብ ናይ ሃገርና ናይ መረፃ ዴሞክራሲያዊ መስርሕ ዓብይ ፅልዋ ከዐርፍ ዝኽእልን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕን ቦርድ መረፃ ሃገርና ብመሰረት ኣብ ሕገ መንግስቲ ዓንቀፅ 102 “ነፃን ትኽክለኛን መረፃ ብሻራ ኣልባ ደውታ/ገለልተኛ/ ንኽካየድ ካብ ዝኾነ ይኹን ፅዕንቶ ናፃ ዝኾነ ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ይቐውም” ብዝብል ዝተቐመጠ ነፃ፤ ገለልተኛን ፍትሓውን መረፃ ንምክያድ ተሓሲቡ ዝቖመ ትካል’ዩ ተባሂሉ’ኳ እንተተዘረበሉ ኣብ ኩሎም ዝተኻየዱ መረፃታት ግን ናይ’ቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ውድብ ደጋፍን ኣጋፋርን ኮይኑ ክሰርሕ ፀኒሑን ኣሎን።
    ቦርድ መረፃ ሃገርና ዝተወሃቦ ሓላፍነትን ህዝባዊ ሓደራን ንጎድኒ ብምግዳፍ ናይ ዜጋታት ተሳትፎ ንኸይዓቢ፤ ኣብ ንፁር ግንዛበ ዝተመስረተ ከይዲ መረፃ ንኸይኽተል፤ ህዝብታት መሰልን ግብኦምን ፈሊጦም ኣብ ዝካየዱ መረፃታት ውፅኢታዊ ተሳትፎ ንኸይህልዎም፤ ነቲ መረፃ ኣመልኪቶም ዝካየዱ ናይ ትምህርትን ጎስጓስን መድረኻት ንኸይትግበሩ ዓበይቲ ዕንቅፋታት ከካይድ ፀኒሑ’ዩ፣ ናይዚ ምኽንያት ድማ ከምቲ ልዕል ኢልና ዝገለፅናዮ እቲ ቦርድ ሕገ መንግስቲ ብዝደንገጎ መሰረት ዝጓዓዝ ዘይኮነስ ብናይ ሓደ ውድብ ትእዛዝ ዝዝወር ነፃነት ዘይብሉ ትካል ስለዝኾነ’ዩ።
    ሒዝናዮ ኣብ ዘለና ዓመተ 2007 ዓ/ም ዝካየድ ምስሉይ መረፃ ካብ ዝሓለፉ እዋናት ብዝተፈለየ ተኣምር ክስረሓሉ’ዩ ኢልካ ትፅበዮ አይኮነን፣ ዓመት መፀ ኣብ ሚድያታትን ዝተፈላለዩ መድረኻትን ተቓወምቲ ውድባት ንኽጉልብቱ መንግስቲ ፍሉይ ደገፍ ክገብረሎም’ዩ ተባሂሉኳ ዝዝረብ እንተኾነ ገና እቲ መረፃ ቅድሚ ምካየዱ ግን ልዕሊ መጠን ዓፈናታት ይፍፀሙ ብምህላዎም ምስቲ ዝወሃብ ዘይጭበጥ ተስፋ ዝቃዶ ኮይኑ ኣይተረኽበን።
    ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ እዋናት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ክልላትን ዝፍፀሙ ዘለው ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ኣባላትን ኣመራርሓን ናይ ምእሳር ስጉምትን ቅድመ መረፃ ንዝካየዱ ሰላማዊ ሰልፍታትን ዕላማኻ ንህዝቢ ናይ ምፍላጥ ምንቅስቓስን ብዝተፈላለዩ ሰይጣናዊ ምኽንያታት እናተሰናኸሉ ዘለውሉ ኩነታት’ዩ ዘሎ።
   ገዛኢ መንግስቲ ስርዓት ኢህወደግ ንባዕሉ ንመረፃ ኣመልኪቱ ካብ ዝለዓለ ክሳብ ዝተሓተ ኣመራርሓ መንግስትን ካልኦት ክፋል ሕብረተሰብን ኣብ ምጉስጓስ ፅዑቕ አኼባታት ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን ተቓወምቲ ውድባት ተመሳሳሊ ስራሕቲ ንምክያድ ፍቓድ ኣብ ዝሓትሉ ክኽልከሉ፤ ክፈራርሑን ክእሰሩን ምግባር መንግስቲ ንተቓወምቱ ፍሉይ ድጋፍ ይገብረሎም ኣለኹ ንዝብሎ ዘመልክት ዘይኮነስ ንሙስሉይ ዘረባታቱ ብዝበለፀ ዘቃሎዖን በዚ ዓፋኒ ኣካይዳ ዝረጋገፅ ዴሞክራሲያዊ፤ ፍትሓዊን ተኣማንን መረፃ ክህሉ ከም ዘይኽእል ዘርኢ’ዩ።