ዝበፅሓና ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ኣማሓደርቲ ዞባን ወረዳን ከምኡ’ዉን
ኣዘዝቲ ፖሊስን ሓለፍቲ ፀጥታን ዞባ ማእኸል ካብ ክልል ብዝመፁ
ቴድሮስ ሓጎስ፤ በየነ ምክሩን ሓዱሽ ዘነበን መሪሕነት
ካብ 23 ሕዳር 2007ዓ/ም ጀሚሮም ኣብ ፁዕቕ ኣኼባ ፀሚደሞም ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ ኣጀንዳ ናይቲ ኣኼባ ድማ “ኣብ ውሽጢ
ናይ ህዝቢ ኣኼባ ብዛዕባ መረፃ ዝበፃሕኩሞ ኩነታት እንታይ ኣሎ?፤ ህዝቢ ክመርፀና ይኽእል ድዩ?፤ ኣይኽእልን?፤ እንታይ
ይብሃል? ዝብሉን ካልኦትን ምዃኖም ተፈሊጡ።
እቶም
ተኣከብቲ ብወገኖም ንሕና እቲ መስዋእቲ ዝኸፈለሉ ውድብ ህወሓት ንኽመርፅ ህዝቢ ዋላ’ኳ እንተጎስጎስናዮ፥ በቲ
ኣጋጢምዎ ዘሎ ፀገም መነባብሮ ንኽቃለሉ ሕቶታት ካብ ምቕራብ ሓሊፉ ንዓና ክሰምዐና ኣይከኣለን ብዛዕባ መረፃ ዝምልከት ግን
ሓቢርና ክንሪኦ ክብሉ ከም ዝመለሱሎምን እቲ ኣኼባ ድማ ገና ይቕፅል ምህላዉን ምንጭታትና
ካብታ ከተማ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።