Thursday, February 5, 2015

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ፍሉይ ቦታ ገላባት ኣስታት 15 ኢትዮጵያውያን ሞይቶም ከም ዝተረኸቡ ካብቲ ከባቢ ምንጭታትና ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ከባቢ መተማ ፍሉይ ቦታ ገላባት ኣብ ዝተብሃለ 15 ኢትዮጵያውያን ብወተሃደራት ሱዳን ከም ዝተቐትሉን ምኽንያት መቕተሊኦም ግን ዛጊድ ከም ዘይተፈለጠ ድሕሪ ምግላፅ፣ ካብቶም ዝተቐተሉ ዜጋታት ንገሊኦም ንምጥቃስ፦ ኣሸብር ንርአ ወዲ ራያ፤ ጎደፋይ ሕሸ ወዲ ራያ፤ በርሀ ዕፃይ ወዲ ኮረም ዝተብሃሉ ከም ዝርከብዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
    እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ብዛዕባ እዞም ብወተሃደራት ሱዳን ዝተቐትሉ ኢትዮጵያውያን ወገናት ሰበስልጣን ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ምኽንያት መቕተሊኦም ንምፍላጥ ክሳብ ሕዚ ዝገበርዎ ፃዕሪ ከም ዘየለ ድሕሪ ምግላፅ እዚ ድማ እቲ ስርዓት ብጀካ ንዕድመ ስልጣኑ ብዛዕባ ድሕነት ዜጋታቱ  ዘይግደስን ዘይጣበቕን ምዃኑ ዘረድእ እዩ ክብሉ ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።