Friday, February 13, 2015

ነበርቲ ከተማ ደሴ ዝኾኑ ተጋሩ ንመብዓሊ መበል 40 ዓመት ልደት ህወሓት ዝኸውን ገንዘብ ኣዋፅኡ ተባሂሎም ከም ዝኣበዩ ምንጭታትና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።



    ከም ሓበሬታ ምንጭታትና እቶም ነባርነቶም ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ደሴ ዝኾኑ ተጋሩ ብ17 ጥሪ 2007 ዓ/ም መበል 40 ዓመት በዓል ህወሓት ምኽንያት ብምግባር ካድረታት ናይቲ ውድብ ኣብ ዝገበሩሎም ኣኼባ ነቲ በዓል መድመቒ ዝኸውን ገንዘብ ኣዋፅኡ ከም ዝተብሃሉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እንተኾነ እቶም ተኣከብቲ እነዋፅኦ ገንዘብ የብልናን ቅድሚ ሕዚ ምኽንያታት እናገበርኩም ዝመዝመዝኩምና ይኣክል ብምባል ከም ዝኣበዩ ተፈሊጡ።
    ኣብ ከተማ ደሴ ዝነብሩ ተጋሩ ልዕሊ 30 ሽሕ ከም ዝኾኑን ዓሚ ብሽም 11 ለካቲት ገንዘብ ኣዋፅኡ ተባሂሎም ኣስታት 100 ሽሕ  ብር ዘዋፅእዎ ገንዘብ ኣብ ጥቕሚ ውልቀ መራሕቲ ናይቲ ውድብ ከም ዝወዓለ ምንጭታትና ወሲኾም ኣረዲኦም።