ከም
ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዞባ ደቡባዊ
ምብራቕ፤ ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ነባሪ ዝኾነ መምህር ገብረየሱስ ገብረሂወት ዝተብሃለ ወገን ኣብቲ ዘምህረሉ ማህበረስላሴ ቤት ትምህርቲ ናይ ህወሓት ወርሓዊ ክፍሊት ክፈል ተባሂሉ ኣይክፍልን ስለ ዝበለ ኣሸባሪ ብምባል ከም ዘፈራርሕዎ ድሕሪ ምግላፅ ብ16 ጥሪ 2007 ዓ/ም ምሸት ድማ ብልኡዃቶም ኣቢሎም ኣብ ርእሱን እጉሩን ብበትሪ ቀጥቂጦም ከም ዝደርበይዎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ
ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ እቲ ብካድረታት ተወቒዑ ተደርብዩ ዝሓደረ ንፁህ ዜጋ ብፅባሒቱ ናብ ቤተክርስትያን ዝኸዱ ሰባት ወዲቑ ከም ዝረኸብዎን ሕዚ ድማ ኣብ ከተማ ሃገረሰላም
ሆስፒታል ደቂሱ ከም ዘሎን ተፈሊጡ።