Wednesday, February 11, 2015

ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ናይ ደቀቕትን ኣናእሸተይን ማሕበራት ብሰንኪ ከፋፋሊ ምምሕዳር እቲ ስርዓት መረረቶም የስምዑ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።



ከም ሓበሬታ ምንጭታትና ነብርነቶም ኣብ  ከተማ መቐለ ዝኾኑ ናይ ደቀቕትን ኣናእሽተይን ማሕበራት ኣብ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ንዝስራሕ ዘሎ ምንፃፍ እምኒ ኩንትራት ሃቡና ኣብ ዝበልሉ  ግዜ ንዓኹም ኣይንህብን ኣብ ክፍለ ከተማና ንዘለዉ ማሕበራት ጥራሕ ኢና ንህብ ብምባል ካብተን ካልኦት ክፍለ ከተማታት ንዝመፁ ማሕበራት ስለ ዝኸልከልዎም መረረቶም የስምዑ ከም ዘለው ተሓቢሩ።
   እቶም ማሕበራት ፍታሕ ንኽግበረሎም ናብ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ብምኻድ ጥርዓኖም ኣብ ዘቕርብሉ ግዜ፣ ኣማሓዳሪት ናይቲ ክፍለ ከተማ ዝኾነት ወይዘሮ ኣስኳል ረዳ ድማ ናብ ካልእ ከይድኹም ስርሑ’ምበር ኣብዚ ኣይትሰርሑን ኢላ ከም ዝመለሰቶምን እቶም ማሕበራት ድማ ካብ ዓድና ሓሊፍና ደኣ ኣበይ ከይድና ክንሰርሕ ብምባል ብምረት ከም ዝመለሱላ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።