Wednesday, February 11, 2015

ኣብ ወረዳ ሕንጣሎ ወጀራት ዘለዋ ብማሕበር ዝተወደባ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ልዕሊ እቲ ምምሕዳር ዘለወን ቅሬታ ከም ዘስመዓ ተሓቢሩ።



    ከም ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ ወረዳ ሕንጣሎ ወጀራት ከተማ ዓዲ ጉዶም ነበርቲ ዝኾና ብማሕበር ውሕልና ለምለም ዝፍለጣ ደቂ ኣንስትዮ ቅድሚ ሕዚ ብማሕበራት ተወዲበን መንግስቲ ዕዳጋ ከም ዝፈጥረለን ቃል ከም ዝተኣተወለን ድሕሪ ምግላፅ ሕዚ ግን ምህርትና ናብ ዕዳጋ ምቕራብ ኣይክኣልናን ብምባል ብ19 ጥሪ 2007 ዓ/ም ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ናይቲ ምምሕዳር ጥርዓነን ኣብ ዘቕረባሉ እዋን መንግስቲ ክትውደባ ገይሩክን እዩ ካብዚ ሓሊፉ ግን ዕዳጋ ናይ ምእላሽ ስራሕ ናትክን ግደ እዩ ብምባል ኣመሓደርቲ ናይቲ ከተማ ቃሎም ከም ዝዓፀፉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
    እዘን ማሕበራት ብግዲአን ናይ መንግስቲ ልቓሕ ስለ ዘለና ክፈለኦ እንተበሉና ካበይ ኣምፂእና ኢና ክንከፍሎ እናበላ ኣብ ከቢድ ጭንቀት ከም ዘለዋ ክፍለጥ ተኻኢሉ።