ብመሰረት ካብ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ እቲ ወረዳ ልሒኹ ዝበፀሓና ሓበሬታ እቶም ናይ መሳናበቲ ሕቶ ኣቕሪቦም ዘለዉ
ኣባላት ፖሊስ ኣብ ስልጣን ንዘሎ ስርዓት ንነዊሕ ዓመታት እናገልገልና መፂና እንተኾነ በቲ ዝኽፈለና ማሃያ ማሕበራዊ ናብራና ክንመርሕ ስለ ዘይከኣልና ናይ ጥሮታ መሰልና
ተኸቢሩ መፋነዊ ይወሃበና ብምባል ብ12 ጥሪ 2007 ዓ/ም ናብ’ቲ ወረዳ ጥርዓኖም ከም ዘቕረቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ካብ’ቶም ጥርዓኖም ዘቕርቡ ዘለዉ ኣብነት ንምጥቃስ፦ ረዳት ኢንስፔክተር
ሽመንዲ፤ረዳት ኢንስፔክተር ስራፊኤል፤ ረዳት ኢንስፔክተር ገብረዋህድ፤ ረዳት ኢንስፔክተር በርሀ ካብ ዓዲ ሃገራይ፤ ረዳት
ኢንስፔክተር ኣሸብር ገብረመድህንን ካልኦትን ብተደጋጋሚ ጥርዓኖም እናቕረቡ ፀኒሖም ሕዚ ድማ ኣጠናኺሮም ይቕፅልሉ ከም ዘለዉ
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።
እዞም
ሕቶ መፋነዊ ኣብ ምቕራብ ዝርከቡ ኣባላት ፖሊስ ነባራት ኮይኖም ልዕሊ 22 ዓመታት ኣገልግሎት ዘለዎም ከም ዝኾኑ ድሕሪ ምግላፅ
ኣብ ስልጣን ዘሎ ገዛኢ ስርዓት ብኣንፃር ኣገልግሎቶም ክረኽብዎ ዝግባእ ረብሓ ክረኽቡ ኣብ ክንዲ ዝገብር ሌላን ጉሌላን
እናፈፀመ ተጠቀምቲ ክኾኑ ስለ ዘይከኣሉ መሳርሒ ዕድመ ስልጣኑ ኣይንኸውንን ብምባል ዝወስድዎ ዘለዉ መማረፂ ከም ዝኾነ እቲ
ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ገሊፁ።