Sunday, February 8, 2015

ኣብ ትግራይ ምስጢር እቲ ስርዓት ይፈልጡ ንዝብሃሉ ንፁሃት ሰባት ብካድረታት ህወሓት ዝግበር መጭወይቲ እናተበራኸተ ይኸይድ ከም ዘሎ ይግለፅ ኣሎ።



     ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝዓዱ ፀጋይ ታረቀ ዝተብሃለ ወገን ን7 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ቤት ማእሰርቲ ናይቲ ስርዓት ዝፀንሐ እንትኸውን ሐዚ ድማ ብ5 ጥሪ 2007 ዓ/ም በቲ ስርዓት ተጨውዩ ሃለዋቱ ከም ዝጠፍአ ተገሊፁ።
     ምኽንያት መጭወዪኡ ድማ፦ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ናይ ዞባ ምክትል ኣዛዚ ፖሊስ ኮይኑ ዘሎ ኩማንደር ግደይ ዝተብሃለ ካድረ ብ2002 ዓ/ም ኣብ እንዳባ ጉና ኣዛዚ ፖሊስ እናሃለወ። ኣብቲ ሽዑ ግዜ ተኣሲሩ ንዝነበረ ሰለሞን ገብረሰለማ ዝተብሃለ ለይቲ ሰዓት ሽዱሽተን ፈረቓን ኣውፂኡ ከም ዝሰወሮ ድሕሪ ምግላፅ።
    እዚ ሐዚ ተጨውዩ ዘሎ ፀጋይ ታረቀ ድማ ሽዑ ምስኡ ተኣሲሩ ስለ ዝነበረ ማእሰርቱ ወዲኡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝወፀሉ ንሰለሞን ገብረሰለማ  ኩማንደር ግደይ ዝተብሃለ ፖሊስ ብለይቲ ኣውፂኡ ከም ዝወሰዶ ንስድራ ሰለሞን ምስ ተዛረበ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣዛዚ ፖሊስ ምሕታት ስለ ዝጀመሩ ዝረኣዮ ከይምስክር ዝሰግኡ ኣዘዝቲ ፖሊስ ናይቲ ዞባ ድማ ንፀጋይ ታረቀ ከም ዝጨወዩዎ ክፍለጥ ተኻኢሉ።