Sunday, February 1, 2015

ንምሕደራ ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ብምቅዋሞም ዝተባረሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊት ንብረቶም በቲ ስርዓት ይምንጠሉ ምህላዎም ሊሒኹ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።


ንግዕዙይ ኣካይዳ ሰርዓት ኢህወዴግ ብምቅዋሞም ካብ ዝተባረሩ ላዕለዎት መኮንናት ምክልኻል ሰራዊት ሓደ ዝኾነ ሌተናል ጀነራል ኣበባዉ ታደሰ ንብረቱ ብካድረታት እቲ ስርዓት ይምንጠል ምህላው ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ብምዃኑ ድማ ኣብ ከተማ ባህርዳር ዘሰረሖ ገዛ ንሸኽ ኣላህ ሙዲን ብ300 ሚልዮን ብር ምስ ሸጠሉ ኣብቲ ናይ ገንዘብ ርኽክብ ተኸታቲሎም ነቲ ገንዘብ ክትሓዝ ከም ዝገበርዎ ተገሊፁ።
   እቲ ኣበባዉ ታደሰ ዝሸጦ ገዛ ኣብ ምክልኻል ስራዊት እናሃለወ  ዘስረሖ ምዃኑ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እንተኾነ ኣብ ትሕቲ እቲ ስርዓት እናሃለወ ዘይተሃገረ ሕዚ ካብ ስርሑ ምስ ተባረር በቲ ስርዓት ዝዉሰድ ዘሎ ስጉምቲ  ቅንዕና ዝጎደለ ኣካይዳ ብምዃኑ እቶም ዘይተባረሩ ዝሰርሕዎ ገዛ ድኣ ዘይህገር ብዝብል ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ይኹን ህዝቢ ዓብዪ መዘራረቢ እጀንዳ ኮይኑ ምህላዉ ተፈሊጡ።