ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ካድረታት
ህወሓት-ኢህወዴግ ኣብ ህዝቢ ብዘብፅሑዎ ዘለው በደላት ውሽጣዊ ራዕዲ ስለ ዘለዎም። ኣብ ከተማታት ዓድዋ፤ ኣኽሱምን ሰለኽለኻን
ንዝርከቡ መናእሰይ ጉዳይ ዕዳግኦም ክገብሩ ንከተማ ኣብ ዝኸድሉ ብ16 ጥሪ 2007 ዓ/ም እናፈተሹ የእትውዎም ከም ዝወዓሉ
ተፈሊጡ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘረድኦ ኣብ ወረዳ መደባይ ዛና ጣብያ ዓዲ መናብር
ዝዓዱ ገብረመስቀል ኣለምሰገድ ዝተብሃለ ውልቀ ሰብ ስለምንታይ ኣብ ገዛእ ዓድና ብፈተሻ ነፃነት ትኸልኡና? ስለ ዝበሎም ብበትሪ
ቀጥቂጦም ንብዙሕ ሰዓታት ከም ዝኣሰርዎ ዝተዓዘበ ህዝቢ ከተማ ስለኽለኻ ኣብ ልዕሌና ዝበፅሕ ዘሎ ግፍዒ ንመን ኣቤት ክንብል፤
ጥርዓንና እነቕርበሉ ኣካል ስኢንና ክብል መረረቱ የስምዕ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተካኢሉ።