Thursday, February 5, 2015

ህዝቢ ዞባ ሰሜን ጎንደር ካርድ መረፃ ኣይንወስድን ብምባሉ ዝተጨነቑ መሪሕነት ብኣዴን-ኢህወደግ ብደመቀ መኮነን ዝተመርሐ ጉጅለ ኣብቲ ከባቢ ጎስጓስ ንኸካይድ ተላኢኹ ተቓዎሞ ከም ዘጋጠሞ ተፈሊጡ።



ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር ዝርከብ ህዝብና መረፃ ካርድ ኣይንወስድን ብምባሉ ኣዝዮም ዝተሰናበዱ ኢህወዴጋዉያን ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ኣበወምበር ብኣዴንን ደመቀ መኮነን ዝምራሕ ጉጅለ ናብቲ  ከባቢ ከይዱ ብ13 ጥሪ 2007 ዓ/ም  ኣብ ማክስኝት ዝተባህለ ቦታ ንዝነብር  ህዝቢ ኣኪቡ ካርድ ዘይመዉሰዲኡ ምኽንያት ኣብ ዝሓተሉ ኣብ መንጎ ክልልናን ክልል ትግራይን ዘሎ ናይ መሬት ፀገም ከይፈታሕኹም፥ ኣብ ከባቢና ፀገም መሰረተ ልምዓት ከም መብራህቲ፤ ማይ፤ ሕክምና ከይተቐረፈ ኣይንመርፅን ክብሉ ከም ዝመለሱሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
   እቲ ህዝቢ ዝኸፈአ ሽግር መሰረተ ልምዓት ኣለወን ዝበለን ድማ፥ ዓዉደራፊዕ፤ ኣብርሃ ጅራ፤ ሰሮቛን ኣብ ዙርያ እዘን ከተማታት ዝርከባ ከባቢታት ኮይነን ብተወሳኺ ድማ መሬት ብዘይ ኣገባብ ከም ዝተመንጠሉን እዚ ሽግር ከይተፈትሐ ሎሚ ይኹን ፅባሕ ንወስዶ ካርድ መረፃ የለን ንመን ክንመርፀሉ ብምባል ዝተቖጠዐ ተኣካቢ ህዝቢ ነቲ ብደመቀ መኮነን ዝቐረበ መታለሊ ሓሳባት ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዝተቓወሞ ተፈሊጡ።