Thursday, April 16, 2015

ሰበ ስልጣን ውልቀ መላኺ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ኣብ ኩለን ዩኒቨርሲቲታት ሃገርና ንዝርከቡ ተማሃሮ ንኢህወዴግ ጥራሕ ክመርፁን ኣባል እቲ ስርዓት ክኾኑን የገድድዎም ምህላዎም ተፈሊጡ፣



ሰበ ስልጣን ጉጅለ ኢህወዴግ ንኹሎም ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲታት ሃገርና ኣባል ኢህወዴግ ክኾኑን ኣብ መረፃ እንተኾነ’ውን ነቲ ገዛኢ ስርዓት ጥራሕ ክመርፁ ከም ዘለዎም ጎስጓስ የካይድሎም ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። እቶም ተማሃሮ ግን ኣብ ሓደ ሃገር ንኩሉ  ዜጋ ኣባል ኢህወዴግ ኩን ምባል ሓደጋ ኣለዎ፤ ለውጢ ኣየምፅእን፤ እዚ ናይ ፖለቲካ ፀገም እዩ ክብሉ ነቲ ኣካይዳ ከም ዝተቓወምዎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
    ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ። እቶም ካድረታት እቲ ስርዓት ናይ’ቶም ተማሃሮ ኣቓልቦ ንምስሓብ እቲ ናይ መረፃ  ጎስጓስ ምስ ፖለቲካዊ  ሳይንስ ከተሓሕዝዎ ፈቲኖም’ኳ እንተነበሩ። እቶም ተማሃሮ ግን እዚ ናይ ምድንጋር ሜላኹም ግዚኡ ዝሓለፎን ንብዙሓት መምህራን ስራሕ ምግዳፍ ምኽንያት ዝኾነን  እዩ ክብሉ ሰለ ዝተቓወምዎም። እቶም መራሕቲ መድረኽ ዝነበሩ ዝሓሰብዎ ክሰልጦም ሰለ ዘይከኣለ ነቲ  ኣኼባ  ኣቋሪፆም  ክኸዱ ከም ዝተገደዱ ተፈሊጡ፣