ኣብ ከባቢ ዓዲ ኮኾብ ዝሰፈሩ ኣባላት ማእኸላይ
እዚ ታሕተዎት ኣዘዝቲን ተራ ወተሃደራትን ምስ ናይቲ ከባቢ ሕብረተሰብ
ንከይራኸቡ ናብ ዓዲ ዳዕሮን ሸራሮን ንከይንቀሳቐሱ ከም ዝተኸልከሉ ተፈሊጡ።
እቶም
ላዕለዎት ሓለፍቲ ነቲ ሰራዊት ብምእካብ ኣብ ዓዲ ዳዕሮ፤ ዓዲ ነብሪ ኢድ፤ዓዲ ሃገራይ ፤ሸራሮ ብኣጠቓላሊ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሕብረተሰብ
ናይ ዴምህት ኣባል ስለ ዝኾነ እነፃርዮ ነገር ስለ ዘሎ ምንቅስቓስ ክልክል እዩ ብምባል ትእዛዝ ከም ዘውረዱሎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ብተወሳኺ
እቶም ወተሃደራት ኣብ ልዕሊ ናይቲ ከባቢ ሕብረተሰብ ፅልኢት ምእንታን ከሕድሩን ምስኡ ከይውግኑን ናይ ሓሶት ፖለቲካዊ ጎስጓስ ክወሃቡ
ዝቐነዩ እንትኾኑ እቲ ስርዓት ካብ ህዝቢ ተነፂሉ ብሓይሊ ብረት ጥራሕ ጠጠው ኢሉ ከም ዘሎ ብዝግባእ ስለ ዝፈልጥ ወተሃደራቱ ድማ
ነቲ ስርዓት ራሕሪሖም ምስ ህዝቦም ከይሓብሩ ስግኣት ዝወለዶ ምዃኑ እቶም ወተሃደራት ብዝግባእ ከም ዝተረድእዎ እቲ ዝበፀሀና ሓበሬታ
የረድእ።