Friday, December 25, 2015

ኣብ ጋምቤላ ዝነብር ሕብረተሰብ ብስእነት ሰናይ ምምሕዳር ብቐፃሊ ክንከላበት ተገዲዱ ከም ዘሎ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።



ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ብሃገር ደረጃ ብ8 ታሕሳስ 2008 ዓ.ም ኣብ ከተማ ጋምቤላ ኣብ ዘኽበረሉ እዋን ምስ ነበርቲ እቲ ከባቢ ሓበራዊ ዘተ ከም ዝገበረ ድሕሪ ምግላፅ፣ ተሳተፍቲ ብፍላይ ከዓ ነበርቲ ከባቢ ከተማ ጋምቤላ ሓደ ጉዳይ ንምፍፃም ብስእነት ሰናይ ምምሕዳር ንኣዋርሕ ዝኣክል ክከላበቱ ከም ዝግደዱ ምግላፆም እቲ  ሓበሬታ ገሊፁ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ዘተ ምክትል ፕረዚዳን ቤት ፍርዲ ፌዴራል ዶ/ር መንበረ ፀሃይ ታደሰ ዝተረኸበሉ ኮይኑ፣ ብተዛተይቲ ኣብቲ ክልል ይኹን ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ወሃብቲ ኣገልግሎት ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ብላዕ ምቕባል ከምኡ'ዉን ቤተ ሰባዊ ኣሰራርሓታት ብምስፍሕፍሑ ንዝበፅሕ ምክልባት። ብምምሕዳር ዝዉሰድ ስጉምቲ ብዘይ ምህላዉ። ዉፅኢቱ ዝኸፈአ ክኸዉን ይገብሮ ከም ዘሎ ዝገለፁ እኳ እንተኾኑ ዶ/ር መንበረ ፀሃይ ግን "ሰናይ ምምሕዳር ዘይምህላዉ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል እዩ" ካብ ምባል ሓሊፉ ነቲ ተሳታፊ ዘዕግብ መልሲ ከይህብ ከም ዝተቖጠበ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።