Friday, December 25, 2015

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ብሄረሰብ ቅማንትን ብሄረ ኣምሓራን ብዝተፈጥረ ግጭት ካብ ክልቲኡ ወገን ብኣማኢት ዝቑፀሩ ምዉታትን ቁሱላትን ከም ዝኾኑ ተገሊፁ።



እቲ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ። በቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ኣምሓራን ብሄረሰብ ቅማንትን ዝተፈጥረ ግጭት ካብ ክልቲኡ ወገን ልዕሊ 300 ወገናት ምዉታትን ቁሱላትን ከም ዝኾኑ ድሕሪ ምግላፅ፣ በዚ መሰረት ድማ ኣብ ነጋዴ ባህር፥ ሽንፋ፥ ሽህዲ፥ ኩኪትን ቋራን ክነብሩ ዝፀንሑ ብሄረሰብ ቅማንት በቲ ግጨት ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም ኣባይቶምን ንብረቶምን ሙሉእ ከም ዝዓነወ ተፈሊጡ።
ነዚ ስዒቡ ድማ ብ 9 ታሕሳስ 2008 ዓ/ም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ብኣዴን ንኽልቲኡ ህዝቢ ኣኼባ ዝገበርሉ እንትኾኑ፣ ኣብቲ ብደመቀ መኮነን ዝተመርሐ ኣኼባ ካሳ ተኽለብርሃንን ኣዲሱ ለገሰን ምስኡ ዝተረኸቡ ኮይኖም፣ ብሄረ ሰብ ቅማንት "ንሕና መንነትና ይፈለጥ ባዕልና ንባዕልና ክንመሓደር ኣለና ስለ ዝበልና ብኣዴን ኣብ ልዕሌና መጥቃዕቲ ክፍፀም ገይሩ እዩ" ድሕሪ ምባሎም "ሕቶ ብሄረሰብ ቅማንት መሊስናዮ እትብልዎ ንሄረሰብ ቅማንት ዝበታትን እዩ" ክብሉ ብምረት ሓሳቦም ከም ዘቕረቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣጋጢሙ ዘሎ ባእሲ ኢህወዴግ ብዝግባእ ክኣልዮ ብዘይምኽኣሉ ህዝቢ ብሓይሊ ምክልኻል ሰራዊት ይሕሎ ከም ዘሎን፣ ብሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ልዕሊ ዝጋጨዉ ዘለው ህዝቢ ስጉምቲ ዉሰዱ ክብል ናብ ሰራዊት ዘዉረዶ ዘይቕኑዕ ትእዛዝ እቲ ሰራዊት ግን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ናይ ጨፍጣፍ ስጉምቲ ኣይንወስድን ኢሉ ብምቅዋም፣ መብዛሕትኡ ዕጥቁ የዉርድ ከም ዘሎን ኣብ ዉሽጢ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት እዉን በዚ ጉዳይ ሰፊሕ ኣፈላላይ ተፈጢሩ ምህላዉን እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።