Friday, December 25, 2015

ኣብ ወረዳ ጭልጋ ኣብ ሞንጎ ብሄረሰባት ኣምሓራን ቅማንትን ዝተበገሰ ግጭት መዕለቢ ስለ ዘይረኸበ ተወለድቲ ቅማንት ንድሕነቶም ክብሉ መዕቖቢ ይደልዩ ምህላዎም ተገሊፁ።



ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር ወረዳ ጭልጋ ነበርቲ ዝኾኑ ብሄረሰባት ቅማንትን ኣምሓራን ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብሽርሒ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ዝተወለዐ ግጭት ኣብዚ ሕዚ እዋን ተጋዲዱ ይቕፅል ከም ዘሎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ በቲ ፍታሕ ዘይረኸበ ግጨት ንህይወቶም ዉሕስነት ዝሰኣኑ ብሄረሰብ ቅማንትን ኣብቲ ከባቢ ክነበሩ ዝፀንሑ ተጋሩን ዓቕሊ ፅበት ዝወለዶ ናብ ናይ ሰራዊ ምክልኻል ካምቦታት ይግዕዙ  ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
በዚ መሰረት ድማ ንቢሄረሰብ ቅማንት ብቢሄረሰብ ኣምሓራ ትህደኑ ኣለኹም ዝብል መፈራርሒ ይንገሮም ስለ ዘሎ በዚ ሰጊኦም ከይፈተዉ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከቡ ካምቦታት ሰራዊት ምክልኻል ክፅግዑ ኣብ ዝተገደድሉ  በቶም ወተሃደራት ብዓይኒ ጥርጣረ እናተረኣዩ ዝተፈላለዩ ምንክልባት ይበፅሖም ከም ዘሎ ተወለድቲ እቲ ብሄረሰብ የረድኡ።