ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፣ ኣብ ዞባ ሰ/ምዕራብ ወረዳ ፀለምቲ ጣብያ ውህደት ዝርከቡ
ኣብ ገበን ምክልኻል ዝተዋፈሩ ፖሊስ፣ ዝተወሃቦም ናይ ስራሕ ሓላፍነት ንጎኒ ገዲፎም ምስ ገንዘብ ህዝቢ ኣብ ምዝራፍ ዝተዋፈሩ ለያቡ
እናተሻረኹ ኣብ ስርቅን ምምንዛዕን ኢዶም ብምሕዋስ ንነባሪ ህዝቢ ተወሳኺ ፀገም ኮይነሞ ከም ዝርከቡ ተገሊፁ።
እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ነዞም ዘይረሃፅሉ
ገንዘብ ህዝቢ ኣብ ምምንዛዕ ዝተዋፈሩ ሰባት፣ ንፖላዊስ
ክሕዝዎም ሓቢሮም ክኾነሎም ስለ ዘይከኣለ፣ ባዕሎም ነበርቲ እቲ ከባቢ ተሓባቢሮም ብምሓዝ ናብ ሕጊ እንተቕረብዎም ድማ ተጣበቕቲ
ሕጊ ኢና በሃልቲ ፖሊስ ግን ጉዶም ምእንቲ ከይቃላዕ ካብ ሕጋዊ ኣሰራርሓ
ወፃኢ ፈቲሖም ይሰድዎም ብምህላዎም፣ እቶም ለያቡ ተመሊሶም ኣብ ልዕሊ
ዘትሓዝዎም ነበርቲ ጉድኣት የውርዱ ከም ዘለዉ ተገሊፁ።