ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ወቕታዊ
ጉዳይ ሃገርና ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተዛተዩ ተወከልቲ ሕብረት ኣዉሮፓ፣ ነቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ ሞንጎ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግን
ተቓውሞ ዘካይድ ህዝብን ተፈጢሩ ዘሎ ግጭት ስዒቡ ብዕጡቛት ገዛኢ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ስቪላት ዝተፈፀመ ኣረሜናዊ ናይ ምቕታል ስጉምቲ፣
ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ኩለንትናዊ ዘተ ክግበርን ንዝተቓወመ ህዝቢ ብሓይሊ ጨፍልቕካ ዘይኮነ ልዕልነት ሕጊ ብዘኽብርን ዘላቒ
ፍታሕ ብዘምፅእን ክኽየድ ከም ዘለዎ እቲ ልኡኽ ጉጅለ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሕቶ ከም ዘቕረበ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቶም ተወከልቲ ሕብረት ኣውሮፓ ወሲኾም፣ ናይ'ታ ሃገር ሰላምን ምርግጋእን ምእንቲ ክሕሎ
ኣብ ስልጣን ዘሎ ገዛኢ ዉድብ ኢህወዴግ ክገብሮ ዝግባእ ሰላማዊ ፍታሕ ክገብር ከም ዘለዎን፣ ከምኡ'ዉን ስደት ኢትዮጵያውያን ንምቕናስ
ዘላቒ ምፍትሒ ምእንቲ ክመፅእን ኣብ ሚኒስተር ወፃኢ ጉዳይ እቲ ስርዓት ምስ ዝርከቡ ሰበ ስልጣን ተራኺቦም ሓሳቦም ከም ዘካፈሉ
እንትኾኑ፣ እንተኾነ ግን ህላወ ስልጣኑ ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ዝፈርሐ ገዛኢ ጉጅለ ኣምባገነን ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ ተወለድቲ ኦሮሞ
ናይ ምቕታልን ምእሳርን ተግባራቱ ኣጠናኺሩ ይቕፅለሉ ከም ዘሎ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።