ብመሰረት
እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ፣ ኣብ ምዕራብ ሃረርጌ ከተማ መሰላ ዝነብሩ
ተማሃሮ ብ26 ታሕሳስ 2008 ዓ/ም ኣብ ዘካየድዎ ሰላምዊ ሰልፊ፣ "ዝተኣሰሩ ይፈትሑ፤ ንቤተ ሰቦም ናይ ዝተቐተሉ ወናት
ካሕሳ ይወሃብ" ዝብል ጭርሖ የስምዑ ኣብ ዝነበርሉ ካድረታትን ኣመሓደርትን በልዎም ዝብል ትእዛዝ ምዉራዶም ስዒቡ፣ ኣብ'ታ
ከተማ ማዓልታዊ እናሰርሑ ሂወቶም ንዝመርሑ ከይተረፈ ሓይልታት ፀጥታ
ብዓይኒ ዕሙተይ ስለ ዝወቕዕዎም ካብቲ ዝበፅሖም ዝነበረ ድብደባ ንምክልኻል ናብቶም ሰለማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ተምሃሮ ተፀምቢሮም
ናይ ዓቕሊ ፅበት ብእምኒን ካልእን ግብረ መልሲ ክህቡ ከም ዝተገደዱ ተፈሊጡ።
በዚ
ምኽንያት ኣብ ዝተላዕለ ግጭት ድማ ክልተ ተምሃሮ በቶም ሓይልታት ፀፅታ ብከቢድ ስለ ዝቖሰሉ ናብ ጭሮ ዝበሃል ሆስፒታል እንትውሰዱ፣
ልዕሊ 20 ዝኾኑ ተማሃሮ ድማ ኣብ'ታ ከተማ ከም ዝተኣሰሩ ሽሞም ኽጠቕሱ ዘይደለዩ ተምሃሮ ንሬድዮ ኣሜሪካ ፈነወ ቋንቋ ኣምሓሪኛ ካብ ዝሃብዎ ሓሳብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።