Saturday, January 16, 2016

ቤት ምኽሪ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ንምቛም ብዝብል ብ3 ጥሪ 2008 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ብዙሓት ትካላት ሚድያ ከም ዘይተሳተፉ ተገሊፁ።



    ድሕሪ እቲ ብዙሕ ዓመታት መስራቲ ጉባኤ ተባሂሉ በቲ ገዛኢ ስርዓት ተቐናብሩ ብ3 ጥሪ 2008 ዓ.ም ዝተኻየደ ዋዕላ ደንቢ መማሓደርን ደንቢ ስነ-ምግባርን  ናይ'ቲ ቤት ምኽሪ ኣፅዲቑ፣ ከምኡ'ዉን ሓሙሸተ ኣባላት ዝርከብዎ ኮሚቴ ስራሕ ኣፈፃሚ ኣዋቒሩ እኳ እንተተባህለ፣ ብርክት ዝበሉ ክሳተፉ ዝግብኦም ትካላት ሚድያ ስለ ዘይተረኸቡ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ዝዉክል ከም ዘይኮነ ተገሊፁ።
    እቲ ሽማዊ መስራቲ ጉባኤ ምስቲ ዝተወሃቦ ሽም እንትነፃፀር ዉሑዳት ተሳተፍቲ ዝተረኽብሉ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ኣብቲ ዕለት ተረኺቦም ሽሞም ኣብ ውሽጢ መስረቲ ዝርዝር ፊርማ ንባዕሎም ካብ ዘየካተቱ መፅሄት "ቀዳሚ ገጽ"ን  ጋዜጣ "ሰንደቅ"ን ዝበሉ ትካላት ዝርከብዎም እንትኾኑ፣ ካብቲ ከይዲ ወፃኢ ዝነበሩ ትካላት ዉሽጢ ድማ "ፋና ብሮድካስቲንግ"ን "ዋልታ ኢንፎርሜሽን ሴንተር"ን ኮይኖም፣ ናይ ኢትዮጵያ ነፃ ጋዜጠኛታት ማሕበር (ኢነጋማ)ን ናይ ብሄራዊ ጋዜጠኛታት ሕብረት (ብጋህ)ን ድማ ብናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ከብ'ቲ ከይዲ ጉባኤ ባዕሎም ከም ዘግለሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

No comments:

Post a Comment