Saturday, January 16, 2016

ኣብ ጅማ ዩኒቨርሲቲ ብዝተደርበየ ተፈንጃሪ ቡምባ ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ ጉድኣት ከም ዝወረደ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።



ኣብ ጅማ ዩኒቨርሲቲ "ካምፓስ ኪቶ ፉርዲሳ" ብ 1 ጥሪ 2008 ዓ/ም ምሸት ስዓት 4 ብዝተደርበየ ተፈንጃሪ ቡምባ ኣብ ልዕሊ 8 ተምሃሮ ዩኒቨርሲትን ካልኦት ናይ ፀጥታ ሓይልታትን  ጉድኣት ከም ዝበፅሐ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ ገዛኢ ስርዓት ኣብ ከተማ ጅማ ሓይልታቱ ኣዋፊሩ ብሽም ፀጥታ ምኽባር ዉሽጣ ዉሽጢ ንዝገብሮ ምንቅስቓስ ህዝቢ ዘይተቐበሎ እኳ እንተኾነ፣ ናይ ምህዋኽ ተግባራቱ ብዝተፈላለየ መልክዑ ኣጠናኺሩ ይቕፅለሉ ከም ዘሎ ዝገለፁ ነበርቲ፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማዉያን ዜጋታት ዝወርድ ዘሎ ከቢድ ጉድኣት ንከይዲ ምምሃርን ምስትምሃርን ምትዕንቓፉ ዘተሓሳሰቦም ወገናት ተቓዉምኦም ኣብ ምስማዕ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ።
ነቲ ዝወርድ ዘሎ ዘሕዝን ጉድኣት ንምምርማር ብዝብል ካብ ዞባ ጅማ፤ ካብ ምምሕዳር ከተማ ጅማ፤ ምስ ጅማ ዩኒቨርስቲን ካብ ክልል ኦሮሚያን ሰብ ስልጣን ፌዴራልን ዝተዉፃእፀአ ኮማንድ ፖስት ዝተቛቖመ እንትኸዉን፣ ክሳብ ሕዚ ድማ ክልተ ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ እንትኾኑ ዛጊድ ግን ወርወርቲ ናይ'ቲ ተፈንጃሪ ቡምባ ከም ዘይተረኸቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እዚ ከምዚ ዓይነት ናብ ተማሃሮ ምድርባይ ተፈንጃሪ ቡምባ ኣብ ዲላ ዩኒቨርሲቲ እዉን ኣብ ዘጋጠመሉ፣ ኣብ ልዕሊ ተማሃሮ ናይ ሞትን መቑሰልትን ሓደጋ  ከም ዘውረደ ኣብ ዝሓለፈ ዜናና ገሊፅና ምንባርና ይዝከር።





No comments:

Post a Comment