Tuesday, January 5, 2016

ኣብ ክልል ኦሮምያ ንዝተወለዐ ተቓውሞ ህዝቢ ንምጭፍላቕ ዝተዋፈሩ ፌደራል ፖሊስ ብፕሪዚደንት ናይ'ቲ ክልል ሙኩታር ከድር ተናኢዶም።



እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ፣ ናይ ክልል ኦሮምያ ፕሬዚደንት ሙኩታር ከድር ናይ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ፍሉይ ዞባ ዙርያ ኣዲስ ኣበባን ዝርከባ ከተማታት ኦሮምያ ንዝወፀ ኣዋጅ ተኸቲሉ ዝተወለዐ ሃንደበታዊ ተቓውሞ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ዜጋታትና ብፌደራል ፖሊስ ብዝተወስደ ስጉምቲ ልዕሊ 100 ቀቲሎም ብኣሸሓት ዝቑፀሩ ድማ ብከቢድ ኣቑሲሎምን ጨውዮምን በዚ ዝፈፀምዎ ድማ ብፕረዚደንት ናይ'ቲ ክልል ናይ ስራሕ ናእዳ ምስገናን ከም ዝተወሃቦም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ወሲኹ እቲ ሓበሬታ ከም ዘርደኦ፣ ኣብቲ ናይ ምምስጋ መድረኸ ዝተረኸበ ሙክታር ከድር፣ ነቲ ምኽንያታዊ ዝተወለዐ ህዝባዊ ናዕቢ ንምብታን ዝተዋፈሩ ፌደራል ፖሊስን ወተሃደራትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንዝወሰድዎ ስጉምትን ኣፈፃፅማን ንድሕነት ህዝቢ ብፅንዓት ጠጠው ከም ዝበሉ ዘመስክር እዩ ምስ በለ፣ በቲ ኣጋጣሚ ብሽሙን ብሽም ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ ዝለዓለ ምስገና ከቕርበልኩም ይፈቱ ክብል ነቲ ኣብ ልዕሊ ንፁህ ህዝቢ ዘውረድዎ ናይ ምቕታል፤ ምቑሳልን ምእሳርን ምክልባትን ብሓፈሻ በቲ ዘውረድዎ ግዜ ይቕረ ዘይብሎን ታሪኽ ዝሰነዶን ስፍ ዘይብል ጉድኣት፣ ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ሙክታር ከድር ከም ኣወንታ ወሲዱ ንፈፀምቱ ናእዳን ምስገናን ምቕራቡ ንህዝቢ ብዝበኣሰ መልክዑ ከም ዘቖጠዖ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።