Tuesday, January 5, 2016

ኣብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም ዝርከቡ ኣማሓደርቲ ስራሕ ሴፍትኔት ብኣድልዎ ይፍፅምዎ ምህላዎም ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



ኣብዞባ ምብራቕ ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም ጣብያ ሃገረሰላም ዝርከቡ ኣመሓደርቲ፣ ድኻ ሕብረተሰብ ሰሪሑ ህይወቱ ንኽመርሕ ብዝብል ብናይ ወፃኢ ሓገዝቲ ትካላት ዝሽፈን ሴፍትኔት ዋላ'ኳ እንተተጀመረ፣ ኣብ ኣፈፃፅማ ግን ብሌላን ጉሌላን ከምኡ'ውን ጉቦ ብዝሃቡ ሃፍታማትን ክሰርሕዎ ይግበር ምህላው ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣  ብኣንፃሩ ጠዋሪ ዝሰኣኑ ድኻታት ስድራ ስዋኣትን ተጋደልቲ ነበርን  ኣብ ሴፍትኔት ክኣትዉ ሓቲቶም ቆላሕ ኢሉ ዝርእዮም ኣካል ከም ዘየለ ተፈሊጡ።

   ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ፣ ዓቕመ ኣዳም ዝበፅሑ ብርክት ዝበሉ  መንእሰይ  ብሰንኪ ስእነት ስራሕን ንሕርሻ ዝኸዉን መሬትን  ስኢኖም   ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቖም እናሃለዉ፣ ኣማሓደርቲ ናይ'ታ ጣብያ ግን ናይ ዝሞቱን ካልእን ሕርሻ መሬት ደራሪቦም ብምሓዝ ንውልቆም ይጥቀሙሉ  ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ፣  እቶም ነበርቲ ጠንቂ ሰናይ ምሕደራ ዝኾኑ ዘለዉ ኣማሓደርቲ ናብ ፍርዲ ቀሪቦም ሕጋዊ ዉሳነ ክረኽቡ ብምባር ካብ ሓላፍነቶም ይተኣለዩ ብምባል ተቓውሞ ከም ዘካየዱ ተፈሊጡ።