Sunday, November 26, 2017

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ከይዲ ህንፀት ዝርከቡ ናይ 40ን 60ን ናይ ሓባር መንበሪ ኣባይቲ ብምኽንያት ሕፅረት ናውቲ ከምዝተጓተቱ ተገሊፁ።



ኢንተርፕራይዝ ልምዓት ቁጠባ ህንፀት ኣባይቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብታ ከተማ ይህነፁ ንዘለው ናይ 40ን 60ን ናይ ሓባር መንበሪ ኣባይቲ ዘድሊ መሳርሒ ናውቲ ከቕርብ ብዘይ ምኽኣሉ ንኽጓተቱ ምኽንያት ከምዝኾነ ተፈሊጡ።
ከም ስሚንቶን ብሉኬትን፤ከምኡ እውን ካልኦት ብዙሓት ነዞም ኣባይቲ ህንጻታት መህነፂ ዝኾኑ መሳርሒታት ብእዋኖም ብዘይምቕራቦም ስዒቡ ኣብቲ ዝተተለመሎም ግዜ ንኸይዛዘሙን ክቋረፁን ምኽንያት ከምዝኾኑ ዝተገልፀ እንትኾን፤ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 37,937 ናይ 40ን 60ን ናይ ሓባር መንበሪ ኣባይቲ ከምዘለውን ብሰንኪ እቶም ዝተጠቐሱ ፀገማት ድማ ህንፀቶም ካብ ዝጅመሩ ነዊሕ እዋን ኣቑፂሮም ምህላዎምን ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

No comments:

Post a Comment