እቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየድ ኣኼባ ኣስታት
150 ኮንትራክተራት ኣብ ዝተረኽብሉ ካብ ዝቐረቡ ኣጀንዳታት፤ “እቶም ዝስርሑ ዘለዉ
ህንፃታትን ፅርግያን ካልኦት ተዛመድትን ንምንታይ ይበላሸዉ?”፤ “ፅሬት ዘይብሉ እዩ” ዝብል ብመራሒ እቲ ኣኼባ መድሃንየ ገብረስላሴ
ዝተብሃለ ናይ ዞባ መቐለ ናይ መንገዲ ትራንስፖርትን ከተማ ልምዓትን ሓላፊ ምስ ቀረበ፤ እቲ ኣኼባተኛ ነቲ ኣጀንዳ ብምንፃግ ናቱ
ሕቶታት ከም ዘቕረበ ተሓቢሩ።
ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬታ እቶም ተኣከብቲ ኮንትራክተራት ምስኡ ተዛማዲ ስራሕ ዘለዎም ካልኦት ሰባትን
ዘቕረብዎም ሕቶታት።
Ø
ኣወፃፅኣ መሬት ፍትሓዊ ከም ዘይኾነ
Ø
እቶም ጨረታ ስዒሮም ዝበሃሉ ኮንትራክተራት ብቕዓትን መሳርሕን ዘይብሎም ምዃኖም።
Ø
ነቲ ፅሬት ስራሕ ዝከታተሉ ሓለፍቲ ብሙስና ዝተጫማለቑ
ምዃኖም።
Ø ብኣጫረቲ ብሰብ ሞያ ተፀኒዑ ዝወፅእ መደብ ጨረታ 1-6 ሚልዮን እንተ ኾይኑ ብ900
ሽሕ ክሰርሕ እየ ንዝበለ ተጫራታይ ብቕዓትን መሳርሕን ንዘይብሉ ምሃብ።
ቅድሚ ሎሚ ኣብ ዞባ መቐለ ብ6 ሚሊዮን ክሰርሑ
ዝተታሓዙ ፕሮጀክታት ኣብ ተግባር ከም ዘይዓይሉ ብምዝርዛር፣ ንመንግስቲ ወኪሉ ኣኼባ ዝመርሕ ዝነበረ ንመድሃንየ ገብረስላሴ ኣንፈቱ
ብምቕያር ነቲ ኣኼባ ከይተዓወተሉ ከም ዝተረፈ ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ጉድሳት ዜጋታት ኣረዲኦም።