መናእሰይ ከተማ ዱርሜ ብዲግሪን ዲፕሎማን
ትምህርቶም ብስሩዕ ዛዚሞም ተመሪቖም ከብቅዑ፣ ወያነ-ኢህወዴግ ብዝኽተሎ ዘሎ ከፋፊልካ ግዛእ ዝብል ኣካይድኡ፣ ኣባላቱ ንዝኾኑ መናእሰይ
ኣብ’ተን ዝርካበን ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታ ክምድቦም እንከሎ፤ ነቶም ኣባላት ዘይኮኑ መናእሰይ ከዓ ተወዲብኩም ባዕልኹም ስራሕ ፍጠሩ
ዝብል ብሓላፊ ግብርና ናይቲ ወረዳ ደስታ ገፈጮ ምስ ኣማሓዳሪ እታ ወረዳ ብምዃን ሓላፍነታዊ ዘይኮነ መልሲ ከም ዝሃቦም ንምፍላጥ
ተኻኢሉ።
እዚ ተግባር እዚ ኣብቲ ከባቢ ጥራሕ ዝግበር
ዘሎ እንተይኮነስ ኣብ መላእ ኢትዩጵያ ዝስረሐሉ ዘሎ መናውሒ ዕድመ ስልጣን ወያነ ኢህወዴግ ስለዝኾነ ኩላትና መንእሰያት ኢትዮጵያ
ፍትሕን ኣድልዎን ዘይብሉ ስርዓት ንምትካልን ሰብኣውን ዴሞክራሲያዊን መሰልና ንምኽባርን ኣንፃር ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ተቓውሞ
ምክያድ ንፅባሕ ዘይበሃል ጉዳይ እዩ ክብሉ ምግላፆም ካብ ከተማ ዱርሜ
ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረድእ።